እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኵናት ዩክረይን፡ ፕረዝደንት ዘለንስኪ ብቕልጡፍ ዝርርብ ክጅመር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ
ፕረዝደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ፡ ምስ ሩስያ ከይደንጎየ 'ፍረ ዘለዎ ዝርርብ' ክጅመር ከምዝደሊ ኣፍሊጡ።
እቲ ፕረዝደንት፡ ኣብቲ ብቪድዮ ዝተቐርጸ ንህዝቡ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፡ ንሃገሩን ምስ ዝወረረት ሩስያ፡ 'ጉዳይ ሰላምን ድሕነትን' ኣመልኪቱ፡ ብቕልጡፍ ውጽኢት ዘለዎ ልዝብ ክጅመር እዩ ዝጠልብ ዘሎ።
እዚ ድማ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ሃገሩ፡ ዩክረይን፡ ብዝኸፈተቶ ኲናት ክበጽሓ ካብ ዝኽእል ዕንወት ንምድሓን፡ ብሕታዊ ኣማራጺ ከምዝኾነ እዩ እቲ ፕረዝደንት ዝገልጽ።
"ንምርኻብን ከምኡ'ውን ልኡላዊ ግዝኣት ዩክረይን ናብ ቦትኡ ንምምላስን፡ ሓድነትን ፍትሕን ንምስፋንን ዝርርብ ክጅመር ዘለዎ ሕዚ ከይደንጎየ እዩ" ክብል ናብ መንግስቲ ሩስያ ጻወዒት ኣቕሪቡ።
"እዚ እንተዘይኮይኑ ግና፡ ሩስያ ክስዕባ ካብ ዝኽእል ውድቀት ንምውጻእ፡ ብዙሓት ወለዶታት ክሓታ እዩ" ክብል ኣጠንቂቑ።
ፕረዝደንት ሩስያ ቭላድሚር ፑቲን፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ምስ ፕረዝደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይፕ ኤርዶዋን፡ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ዘተ፡ ሃገሩ እትጠልቦም፡ ቅድመ ኩነታት፡ ኣስፊሩ እዩ።
ኣብቲ 30 ደቒቓ ጥራሕ ዝወሰደ ናይ ቴሌፎን ዝርርብ፡ ሩስያ ዘቕረበቶም ጠለባት ኣብ ክልተ ከምዝኽፈሉ ቀንዲ ኣማኻርን ወሃቢ ቃልን ፕረዚደንት ቱርኪ ኢብራሂም ካሊን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡
ካብዚኦም እቲ ቀንዲ ዩክረይን መንጎኛ ክትከውን፡ ኣባል ኔቶ ከይትኸውንን ዝጠልብ እዩ፡፡ ነዚ ጠለብ ድሮ ፕረዚደንት ዩክረይን ቮሎድሚር ዘለንስኪ ዝተቐበሎ ይመስል።
ኣብቲ ቅድመ ኩነት፡ ዩክረይን ንሩስያ ስግኣት ዘይምዃና ንምርግጋጽ ዕጥቃ ክትፈትሕ ኣለዋ፡፡ ቋንቋ ሩስያ ኣብ ዩክረይን ውሕስና ክረክብ ትጠልብ፤ ‘ዲናዚፊኬሽን’ (ካብ ናዚ ነጻ ምዃን) ዝብልዎ እውን ይርከቦ፡፡
ኣብ ጎረቤት ሃገርን ኣብ ቱርክን፡ ብተደጋጋሚ ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ተራኺቦም፡ እቲ ጸገም ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ ዝተገብሩ ፈተነታት ዛጊድ ፍረ ኣየፍረዩን።
ልዕሊ ሰለስተ ሰሙን ዘቑጸረ፡ ወተሃደራዊ ወራር ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክረይን፡ ሰፊሕ ሰብኣዊ ቅልውላውን ከምዘስዐበ ጸብጻባት ይሕብሩ።
እቲ ኲናት ኣብ ዝተፈላለዩ ከተማታት ዩክረይን ከቢድ ዕንወት ዘስዐበ ኾይኑ፡ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ዩክሬናውያን ሃገሮም ራሕሪሖም ናብ ኣውሮጳ ክስደዱ ተገዲዶም ኣለዉ።