ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ንዕደና ዝተዃዕተ ጉድጓድ ብምፍራሱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም

Published

ኣብ ኢትዮጵያ ክልል ኦሮሚያ ዞባ ምብራቕ ባሌ ንዕደና ዝተዃዕተ ጉድጓድ ብምፍራሱ ሸሞንተ ሰባት ሞይቶም።

እቲ ሓደጋ ትማሊ ሰሉስ ከምዘጋጠመ ዝሓበረ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ወረዳ ጎሎልቻ ኣይተ ሸለመ ተጫነ በቲ ሓደጋ ህይወቶም ዝሰኣኑ ሰባት ብዘይሕጋዊ መገዲ ኣብ ባህላዊ ዕደና ዝተዋፈሩ ምንባሮም ሓቢሩ።

"ሚንስትሪ መዓድን ቅድም ክብል ኣብዚ ከባቢ መጽናዕቲ መዓድን ኣካይዱ ነይሩ። ነዚ መሰረት ብምግባር ሰባት ኣብዚ ከባቢ ኣዝዩ ተደላዪ ዝኾነ መዓድን ኣሎ ብዝብል ይኹዕቱ ነይሮም" ይብል እቲ ሓላፊ።

ኣስዕብ ኣቢሉ ድማ "እቶም ነበርቲ እዚ ከባቢ ዝኾኑ ግዳያት ነቲ ስራሕ ከካይዱ ዘኽእሎም ፍቓድ ካብ መንግስቲ ኣይረኸቡን" ኢሉ።

በቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ምፍራስ ንዕደና ዝተኹዓተ ጉድጓድ ብውሕዱ ህይወት ሸሞንተ ሰባት ከምዝሓለፈ ዝገለጸ ኣይተ ሸለመ፡ ካልኦት ብዙሓት ናብ ሆስፒታል ከምዝተወሰዱ ሓቢሩ።

"ካብ ሞንጎ እቶም ይኹዕቱ ዝነበሩ ሰባት እቶም ሸውዓተ ሽዑ ንሽዑ ክሞቱ ከለዉ፤ እቲ ሓደ ድማ ናብ ሆስፒታል እናተወሰደ ኣብ መገዲ ዓሪፉ" ክብል ገሊጹ።

ብዘይካ እቶም ዝሞቱ ሰባት ከኣ በቲ ዝተዳህመሰ ጉድጓድ ጉድኣት ዝበጽሖም ካልኦት 11 ሰባት'ውን ናብ ሆስፒታላት ጃራን ጊንዲርን ከምዝተወሰዱ ኣረዲኡ።

ግዳያት እቲ ሓደጋ ዝኾኑ ሰባት ማዕድን ክንረክብ ኢና ብዝብል ተስፋ ጥንቃቐ ብዝጎደሎ መገዲ ኹዕታ ከካይዱ'ኳ እንተጸንሑ፡ ክሳብ ሎሚ ግን ዝረኸብዎ ነገር ከምዘየለ'ዩ ሓላፊ ቤት ጽሕፈት ህዝባዊ ርክባት ወረዳ ጎሎልቻ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

"ኣብቲ ከባቢ መዓድን ብዛዕባ ምህላዉ'ውን ዝተረጋገጸ ነገር የለን" ክብል'ውን ወሲኹ ሓቢሩ።