እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ጣሊያን ሰኣን ሰነያ ወዲ 80 ዓመት ፕረዚደንት ኣብ ስልጣን ክጸንሑ ተወሲኑ
ኣብ ጣልያን እቶም ጥሙር መንግስቲ ዝፈጠሩ ውድባት ነቲ መራሒ መን ይተክኣዮ ኣብ ዝብል ክስማምዑ ስለዘይከኣሉ፡ እቶም ወዲ 80 ዓመት ኣብ ስልጣን ከጸንሑ ተወሲኑ።
ኣብ ሮም ንሽድሽተ መዓልቲ ዝኣክል ወጥሪ ዝተመልኦ መረጻ ምክያዱ ስዒቡ፡ እቶም ወዲ 80 ዓመት ሽማግለ ብኹሎም ተመራጺ ፕረዚደንት ኾይኖም ቀጺሎም።
እቶም ፕረዚደንት ካብ ስልጣኖም ንምውራድ ድሌት ኣርእዮም እንተነበረ’ኳ፡ ሚድያታት እታ ሃገር ከምዝጸብጸብኦ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ማሪዮ ድራጊ፡ ንምርግጋዕ እታ ሃገር ክበሃል ኣብ ስልጣኖም ክጸንሑ ኣእሚኑዎም።
ነቲ ሻምናይ ዙር መረጻ ስዒቡ፡ እቶም ፕረዚደንት ኣብቲ ዝሓለፈ ቀዳም ብዕሊ ነኻልኣይ ግዜ ተመሪጾም።
ፕሬዚዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ምስተመርጹ ኣብ ዘስምዕዎ መደረ፡ እታ ሃገር ብዝገጠምዎ ቅልውላዋት ጥዕናን ቁጠባን ፡ ኣብ ስልጣን ንክጸንሑ ሕሊናዊ ሓላፍነት ከምዝተሰመዖም ገሊጾም።
ሕገ መንግስታዊ ተርጓሚን ዳኛን ዝነበሩ ፕረዚደንት እታ ሃገር ወሲኾም’ውን፡ ‘”ካብ ናይ ውልቀይ ሕርያ ጉዳይ ሃገር ይቕድም” ኢሎም።
ቀዳማይ ሚኒስተር ማሪዮ ድራጊ እቶም ፕረዚደንት ደጊሞም ክምረጹ ምኽኣሎም፡ ንህዝቢ ጣልያን ኣዝዩ ዘሕጉስ ዜና ክብል ተዛሪቡ።
“እቲ ፓርላማ እቶም ፕሬዚዳንት ንኻልኣይ ግዜ ክምረጹ ዝነበሮ ድሌት ንምቕባል ንዘርአዩዎ ውሳነ ኣዝየ የመስግን።’’
ሓበራዊ ምምሕዳር ጣሊያን ዝፈጠሩ ውድባት፡ ተተካእቲ ተወዳደርቲ ንምቕራብ ሸውዓተ ዙር መረጻ እንተካየዱ’ኳ፡ ኣብቲ ካቢኔ ልዑል ምክፍፋል ምስ ኣጋጠሞም፡ ፕሬዚዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ደጊሞም ንክምረጹ ተስማሚዖም።
ኣብ ጣልያን ሓደ ፕረዚደንት ኾይኑ ዝምረጽ፡ 1,009 ሴናተራት፣ ኣባላት ፓርላማ ከምኡ’ውን ሓደሓደ ካብ ነፍሲ ወከፍ ተወከልቲ ክልላት ኣብ ዝካተትሉ፡ ‘ኤሌክቶራል ኮሌጅ’ ብምስጢር ብዝወሃብ ድምጺ እንትኸውን፡ ክልተ ኢድ ዝረኸበ ሰዓራይ ይኸውን።
ነገር ግን ኣብቲ ናይ ሕዚ መረጻ ሕጹይ ተባሂሉ ዝቐረበ ውልቀሰብ፡ ዝረኸቦ ድምጺ 759 ጥራይ እዩ።
ብዙሓት ኣባላት ባይቶ ተወከልቲ ህዝቢ ‘ድምጽና ኣይንህብን’ ኢሎም ፤ ድምጸ ተዓቅቦ ዝገበሩ ኾይኖም፡ ገዛኢ ውድብ ዘቕረቦ ተወዳዳሪ እኹል ድምጸ ክረክብ ኣይከኣለን።
ነዚ ወጥሪ ስዒቡ፡ ፕሬዚዳንት ሰርጂዮ ማታሬላ ብብዙሓት ኣባላት እቲ ቤት ምኽሪ ክምረጹ ክኢሎም።