ጁሴፐ ኮንቴ ንሓዲሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ክመርሖ'ዩ

Published

ኣብ ጣልያን ድሕሪ ኣዋርሕ ዝወሰደ ምጉት ጁሴፐ ኮንቴ ንሓዲሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ክመርሖ ኣብ ስምምዕ ተበጺሑ።

እዚ ስምምዕ ነታ ካብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ብቁጠባኣ ኣብ ራብዓይ ደርጃ እትስራዕ ሃገር ዓሲልዋ ንዝጸንሐ ወጥሪ ከህድኦ ትጽቢት ይግበር።.

ቀዳማይ ሚኒስተር ጁሴፐ ኮቴተ ንፕረዝደንት ሰርጆ ማትሬላ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ንካልኣይ ግዜ'ዩ ስም ዝርዝር ሓደሽቲ ሚኒሰትራቱ ዘረክቦ ዘሎ። እዚ ሓዲሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ሎሚ ቃለ መሓላ ክፍጽም'ዩ።

ሚኒሰተራት እዚ ሐዲሽ ልፍንታዊ መንግስቲ ካብ ሰልፍታት ፋይፍ ስታርን (M5S) የማናዊ ክንፍን (right-wing League) ዝተዋጽኡ'ዮም ክኾኑ።

ኣቀዲሙ ቴክኖክራቲካዊ መንግስቲ ንምቋም ዝቀረበ ሓሳብ ፊሺሉ'ዩ።

ፕረዝደንት ሰርጆ ማትሬላ፡ ጁሴፐ ኮንቴ ሚኒሰትር ቁጠባ ጌሩ ንዝረቑሖ ስለዘይተቐበሎ፡ ብካልእ ሰብ ብምትካእ ብሓሙስ ኣብ ሓደ ስምምዕ ክበጽሑ ክኢሎም ኣለዉ።