ስሪካንት ቦላ፡ 48 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ትካል ዝሃነጸ ዓይነ ስዉር መንእሰይ

Published

ስሪካንት ቦላ፡ ንጉዕዞ ህይወቱ ዝድህስስ ፊልም ብቦሊውድ (ዓቢይ ትካል ፊልም ህንዲ) ክስርሓሉ እዩ።

እዚ መንእሰይ ዋና ኣካያዲ ስራሕ፡ 48 ሚልዮን ፓውንድ ዝግመት ትካል ሃኒጹ እዩ፡፡ እንተኾነ እዚ ዓወቱ ክውን ካብ ምዃን ክተርፍ ዝኽእለሉ ኣጋጣሚ ነይሩ እዩ፡፡

ዕሽል መንእሰይ እንከሎ ዓይነ ስዉር ብምዃኑ ኣብ ላዕለዋይ ብርኪ ትምህርቲታት ሒሳብን ሳይንስን ክመሃር ከምዘይፍቀደሉ ተነገሮ፤ ንሱ ግን ነቲ ዝደልዮ ክመሃር ኣብ ልዕሊ እታ ግዝኣት ክሲ መስሪቱ፡፡

ስሪካንት ካብ ወዲ ሽዱሽተ ዓመት ጀሚሩ፡ ሓዉ እናመረሖን ርጋጽ መማህርቱ እናተኸተለን ኣብ ገጠር ህንዲ ናብ እትርከብ ቤት ትምህርተ ብቢመዓልቱ ነዊሕ ኪሎ ሜትር ብእግሩ እናተጉዓዘ ንኽልተ ዓመታት ተማሂሩ።

እቲ መገዲ ጭቃን ቆጥቋጦን ዝበዘሖ ብምንባሩ፡ ንዕኡ ጽቡቕ እዋን ኣይነበረን፡፡

"ዓይነ ስዉር ስለዝኾንኩ ዘዛርበኒ ሰብ ኣይነበረን" ይብል፡፡

ካብ ድኻታትን ዘይተምሃሩን ስድራ ስለዝተወለደ ድማ እቲ ማሕበረሰብ ነጸጎ፡፡

‘‘ንስድራይ ገዛይ እኳ ክሕሉ ከምዘይክእል ይነግሩዎም ነይሮም፤ ብዙሓት ሰባት ናብ ገዛና እናመጹ ስድራይ ብመተርኣስ ጸቒጦም ክቐትሉኒ ይመኽሩዎም ነይሮም’’ እቲ ወዲ 31 ዓመት ፈጻሚ ስራሕ (ሲኢኦ) ይዝክር፡፡

ስድራ ቤቱ ግና ሓገዝቱ እምበር ከምቲ ዝምከርዎ ክፉኣት ኣይነበሩን፡፡

ስሪካንት ወዲ ሸሞንተ ዓመት ምስ ኮነ፡ ኣቡኡ ኣብ ሓደ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ቦታ ከምዝረኸበሉን ናብኡ ከምዝኸይድን ዝገልጽ ብስራት ሒዝሉ መጸ፡፡

ንሱ ዋለኳ ካብ ስድርኡ እንተረሓቐ፡ በቲ ዝረኸቦ ዕድል ግን ሕጉስ ነበረ፡፡

ኣብቲ ቤት ትምህርቲ ከም ቼዝ፣ ምሕምባስን ክሪኬትስን ዝበሉ መዘናግዒታት ስለዝለመደ ድማ ጻንሒቱ ኣዝዩ ፈተዎ፡፡

ኩሉሻብ ኢንጂንየር ናይ ምዃን ሕልሚ ስለዝነበሮ፡ ሒሳብን (ቁጽሪ) ሳይንስን ክመሃር ከምዘለዎ እውን ኣይሰሓተን፡፡

እዋኑ ምስኣኸለ ድማ እቶም ዝደልዮም ዓይነታት ትምህርቲ መሪጹ፤ እንተኾነ እቲ ቤት ትምህርቱ ምርጫኻ ሕጋዊ ኣይኮነን ብምባል ከልኪልዎ፡፡

ኣብያተ ትምህርቲ ህንዲ ዝተፈላለየ መምርሒታት ብዘለዎም ኣካላት እየን ዝመሓደራ፡፡

ናይ ስሪንካንት ቤት ትምህርቲ ድማ ብቢሮ ትምህርቲ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ እያ እትመሓደር ነይራ፤ ንሳ ትምህርቲታት ሕሳብን ሳይንስን ንዓይነ ስውራት ክኸብዶም ይኽእል እዩ ብዝብል ኣይትፈቅድን ነይራ፡፡

ኣርት፤ ቋንቋ፣ ስነጽሑፍን ሕብረተሰብ ሳይንስን እዮም ክመሃሩ ዝኽእሉ ነይሮም፡፡

እዋኑ 2007 እዩ፤ በቲ ክልከላ ኣዝዩ ሓሪቑ ነይሩ፡፡ በቲ ኣብ ኩሉ ማዕረ ዘይኮነ ሕጊ ዝጎሃየት መምህሩ እውን ገለ ስጉምቲ ክወስድ መኺራቶ፡፡

ናብ ምምሕዳር ላዕለዋይ ብርኪ እታ ግዝኣት ብምኻድ፡ ከእምንዎም እኳ እንተፈኑ ምንም ክገብሩ ከምዘይክእሉ ነጊሮምዎም፡፡

ካብ ሕልሙ ክሰናኸል ዘይፈቐደ እቲ ዓይነስውር ተምሃራይ ግና ንውሳነኦም ሰሚዑ ናብ ዘይደለዮ ኣይኣተወን፡፡

ብጉጅለ ምምሕዳር እታ ዝመሃረላ ቤት ትምህርትን ጠበቓን ተሓጊዙ ዓይነ ስውራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ ክፍቀደሎም ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ግዝኣት ከሲሱ፡፡

‘‘እቲ ጠበቓ ከክንዳና ተቓሊሱልና’’ ይብል ባዕሉ ናብ ቤት ፍርዲ ክቐርብ ኣድላዪ ከምዘይነበረ ዝዝክር ስሪካንት፡፡

እቲ መስርሕ ፍርዲ ቅድሚ ምውድኡ፡ ሓንቲ ዓይነ ስዉራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ እተፍቅድ ቤት ትምህርቲ፡ ድልየት እንተዳኣ ሃልይዎ ክትቅበሎ ፍቓደኛ ከምዝኾነት ሰሚዑ፡፡

ብታሕጓስ ድማ ተቐበሎ፡፡

ኣብቲ ዝመሃረሉ ክፍሊ ብሕታዊ ዓይነ ስዉር እዩ ነይሩ፡፡ ኮይኑ ግና ብጽቡቕ ከምዝተቐበሉዎ ይዝክር፡፡

ድሕሪ ሽዱሽተ ወርሒ ካልእ ደስ ዘብል ዜና ሰሚዑ፡፡ ኣብቲ ናይ ቤት ፍርዲ ክሲ ተዓዊቱ፡፡

ኣብ ኩለን ላዕለዎት ኣብያተ ትምህርቲ ግዝኣት ኣንድራ ፕራደሽ፡ ዓይነ ስዉራን ተምሃሮ ሒሳብን ሳይንስን ክመሃሩ ከምዝኽእሉ ፈሪዱ፡፡

‘‘ኣዝየ ተሓጒሰ፤ ክሰርሕ ከምዝኽእል ንዓለም ዘርእየሉ ፈላማይ ዕድል ኮይኑለይ’’ ይብል፡፡

"ናብ ንእሽቶ ተኽሊ ከቢድ ዝናብ ምፍሳስ"

ድሕሪ እቲ ውሳነ ስሪካንት ናብ ቤት ትምህርቱ ተመሊሱ፡ ዝፈትዎ ትምህርቲታት ሳይንስን ሒሳብን ተማሂሩ ኣብ ፈተና 98 ምኢታዊት ማእከላይ ወጽኢት ረኺቡ፡፡

ናብቲ ኣዝዩ ዝተኸበረ ዩኒቨርሲቲ ህንዲ ‘ኢንድያን ኢንስቲትዩት ኦፍ ቴክኖሎጂ’ ናይ ምእታው ትልሚ ነይሩዎ፤ እንተኾነ ኣዝዩ ከቢድ ውድድር ዘለዎን ናይ ቅድመ ምድላው ስልጠና ዘድልዮ ስለዝነበረን፡ ስሪካንት እተሰልጥኖ ቤት ትምህርቲ ኣይረኸበን፡፡

'እቶም ስልጠና ዝህቡ ላዕለዎት ትካላት፡ እቲ ዘሎ ጸቕጢ ትምህርቲ ናብ ፈልሲ ከቢድ ዝናብ ከምምፍሳስ እዩ ኢሎምኒ" ይብል፡፡

ኣብ ኣመሪካ ናብ ዝርከቡ ዩኒቨርሲቲታት ምስ ኣመልከተ ድማ ሓሙሽተ ዩኒቨርሲቲታት ከምዝቕበለኦ ገሊጸናሉ፡፡

ነቲ ካብ ኤምአይቲ ዝቐረበሉ ቦታ ተቐቢሉ ድማ ኣብ 2009 ፈላማይ ካብ ወጻኢ ሃገር ዝመጸ ዓይነ ስዉር ተምሃራይ እቲ ዩኒቨርሲቲ ኮይኑ፡፡

ኣብ ፈለማ ከቢድ ቁርን ሓድሽ ኣመጋግባን ከቢድዎ እኳ እንተነበረ፡ ቀልጢፉ ከምዝተላመዶን ኣዝዩ ዝፈትዎ ግዘ ከምዘሕለፈን ይዝክር፡፡

ጎናጎኒ ትምህርቲ ኣብ ህንዲ ሃይድራባድ፡ ኣካላዊ ስንክልና ዘለዎም ቆልዑ ዝመሃሩሉን ዝስልጥኑሉን ገባሪ ሰናይ ትካል ኣጣይሹ፡፡

ህይወቱ ምቹው እዩ ዝነበረ፡፡ ብማኔጅመንት ሳይንስ ምስተመረቐ ብዙሑ ናይ ክንቆጽረካ ሕቶታት ቀሪቡሉ ነይሩ፡፡ ንሱ ግን ናብ ዓዱ ክምለስ መሪጹ፡፡

ኣብ ዓዱ ዘየለኣሞ ዕዮ ከምዘለዎ ይስመዖ ነበረ፡፡

‘‘ንምንታይ ናይ ባዕለይ ትካል ኣጣይሸ ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎም ቆጺረ ዘየስርሕ?’’ ኢሉ ሓሲቡ፡፡

ስሪካንት ኣብ 2012 ናብ ሃይድራባድ ተመሊሱ፡ ምስ ከባቢ ዘይጻባእ ካብ ኣቑጽልቲ ዝስርሑ መዐሸጊታት ዘፍርይ ቦላንት ኢንዳስትሪስ መስሪቱ፡፡

አቲ ትካል 48 ሚልዮን ፓውንድ ይግመት፡፡

ኣካላዊ መጉዳእቲ ዘለዎምን ከም ኩነታቱ ናይ ኣእምሮ ጸገም ዘለዎምን ሰባት ቆጺሩ የስርሕ፡፡

ቅድሚ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብቶም 500 ሰራሕተኛታቱ እቶም 36 ምኢታዊት ስንክልና ዘለዎም ነይሮም፡፡

ኣብቲ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ 30 ዓመቱ፡ ካብቶም ያንግ ግሎባል ሊደርስ 2021 ተባሂሎም ዝተመረጹ ትስፉዋት መንእሰያት መራሕቲ ሓደ ኮይኑ ኣብ ግሎባል ኢኮኖሚክ ፎረም ተሳቲፉ፡፡ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ዓመታት ትካሉ ኣብ ናይ ማል ዕዳጋ ዓለም (ስቶክ ማርኬት) ከምዝኣቱ ተስፋ ይገብር፡፡

ቦሊውድ ድማ ታሪኽ ህይወቱ ዘዘንቱ ፊልም ክሰርሓሉ ይሸባሸብ ኣሎ፡፡ ፍሉጥ ተዋሳኣይ ራጅኩማር ራኦ፡ ንስሪካንት ወኪሉ ዝዋሰአሉ ፊልም ኣብ ወርሒ ነሓሰ ቀረጻ ክጅምር እዩ፡፡

‘‘መጀመርታ ሰባት ክርእዩኒ ከለዉ፡ ‘ ዓይነ ስዉር እዩ፤ ከሕዝን’ ይብሉ፡፡ መን ከምዝኾንኩን እንታይ ከምዝሰርሕን ክገልጸሎም እንትጅምር ግና ኩሉ ነገር ይልወጥ፡፡’’