ኬንያ ኵናት ኢትዮጵያ ፍታሕ ንኽረክብ ብቐረባ ክትሰርሕ ምዃና ኣፍሊጣ

Published

ኬንያ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝቕጽል ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንኽርከቦ ኣብ ዝግበር ጻዕሪ ልዝብ ብዝበለ መገዲ ተቐራሪባ ከምእትሰርሕ ኣፍሊጣ።

ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ ኬንያ ራይቼል ኦማሞ ትማሊ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ ሃገራ ንጉዳይ ኢትዮጵያ ዕሽሽ ከምዘይትብሎን ልስሉስን ልዝቡን ብዝኾነ ዲፕሎማስያዊ መገዲ እቲ ጸገም ንኸብቅዕ ብሓባር ከምእትሰርሕ ገሊጻ።

እታ ሚኒሰትር ኣስዒባ “ዋላ’ኳ ግዜ ዝሓትት ጉዳይ እንተኾነ ኢትዮጵያ ኣብ ስምምዕ ክትበጽሕ ዘኽእል ዓቕሚ ኣለዋ” ዝብል እምነት ከምዘለዋ ድሕሪ ምግላጽ ኣብዚ ቀረባ እዋናት ናይ ፖለቲካ እሱራት ምፍትሖም ሰናይ ጅማሮ ከምዝኾነ ጠቒሳ።

ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ምስ ዘሎ ቅልውላው ተዛሚዱ ኬንያ ኣብ ጉዳይ ሃገራዊ ዘተ፣ ተኹሲ ደው ኣብ ምባልን ረድኤት ንኽኣቱ መገድታት ኣብ ምትዕርራይን ምስ ኢትዮጵያ ክትተሓባበር ከምዝጸንሐት ተዛሪባ።

ኬንያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪቃ ወናኒት እቲ ዝዓበየ ቁጠባን ኣብቲ ከባቢ ጽልዋ ፈጠርቲ ካብ ዝኸናን ሃገርት ሓንቲ ኮይና ምስ ምዕራባውያን ተሪር ዲፕሎማስያዊ ምሕዝነት ዝመስረተት ሃገር ከምዝኾነት ይፍለጥ።

ድሕሪ እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኵናት ምዕራባውያን ሃገራት ምስ ኢትዮጵያ ዝነበሮም ምሕዝነት እንዳሓርፈፈ ኣብ ዝኸደሉ ግዝያት ላዕለዎት ሰበ ስልጣን ኣመሪካ ንኵናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቶም ምስ ፕረዚደንት ኬንያታን ካልኦት ሰበ ስልጣናት ኬንያን ተደጋጋሚ ዘተታት ከካይዱ ተራእዮም።

ኢትዮጵያ ብዛዕባ ዘቤታዊ ጉዳያታ ብቐጥታ ምስ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ምዝርራብ እንዳተኻእለ ኣመሪካ ምስ ጎረቤት ሃገር ኬንያ ብአተካይዶ ዘተ ሕጉስቲ ከምዘይኮነት ወሃቢ ቃል ሚኒስትር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ምግላጹ ይዝከር።

ፕረዚደንት ኬንያ ኡሁሩ ኬንያታ ምስ ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደንን ሚኒሰትር ጉዳያት ወጻኢ ኣንቶኒ ብሊንከንን ምስተዘራረበ ናብ ኢትዮጵያ ከይዱ ኣብ ጉዳይ ቅልውላው ኢትዮጵያ ምስ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ተዛትዩ ከምዝነበረ ዝፍለጥ እዩ።