ናይ ብሪጣንያ ሚንስትር ኣፍሪቃ ኲናት ኢትዮጵያ ደው ክብል ኣተሓሳሲባ

Published

ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ኣሕመድ ተራኺባ ዝዘተየት ናይ ብሪጣንያ ሚንስትር ኣፍሪቃ ቪኪ ፎርድ “እቲ ኲናት ንምዝራቡ ዝኸብድ ስቅያት ኣስዒቡ’ሎ። ደው ክብል ኣለዎ” ክትብል ኣተሓሳሲባ።

ኣብቲ ናይ ኢትዮጵያ መገሽኣ ምስ ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትር ኣይተ ደመቀ መኮነን፣ ምኽትል ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢ ሬድዋን ሑሴንን ሚንስተር ገንዘብ ኣሕመድ ሸዴን ተራኺባ ከምዝዘተየት መንግስታዊ መርበብ ሓበሬታ ብሪጣንያ ሓቢራ።

ምስ ሰበስልጣን መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ዘካየደቶ ዘተ ድማ ነቲ ኲናት ሰላማዊ መዕለቢ ክግበረሉ ሓቲታ።

ምስ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብዪ ንዝገበረቶ ዝርርብ ኣመልኪታ ብትዊተር ኣብ ዘሕለፈቶ መልእኽቲ “እሱራት ምፍትሖምን ሃገራዊ ዘተ ክካየድ ምዃኑን ከምዘሐጎሰና ገሊጸሉ ኣለኹ” ክትብል ጽሒፋ።

ዩናይትድ ኪንግደም እቲ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ኲናት ኣዝዩ ከምዘሻቐለን ዘላቒ ሰላም ንኽዓስል ድልየታ ከምዝኾነን ነቲ ቀዳማይ ሚንስትር ከምዝሓበረትሉ’ውን ጠቒሳ።

“ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ሰላም ክሰፍን ምግባር ክህልዎ ዝኽእል ዋጋ ዘቲናሉ ኢና። ግልጽነት ንዝተመልኦ ዘተና ከኣ አመስግን” ክትብል ነቲ ምስ ኣምባሳደር ሬድዋን ሑሴን ዝነበራ ጻንሒት ኣብ ትዊተራ ገሊጻቶ።

መንግስቲ ሃገራ እቲ ን14 ኣዋርሕ ቀጺሉ ዘሎ ኲናት ደው ኽብል ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ዘሎ ናይ ምሽምጋል ጻዕሪታት ከምዝድግፍ’ውን ሚንስትር ቪኪ ፎርድ ሓቢራ።

“ንመንግስቲ ኢትዮጵያን ሓይልታት ትግራይን ናብ ድርድር ንኽመጽኡ በዚ ድማ ናብ ሰላማዊ መዕለቢ ንምምጻእ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ጻዕሪታት ንድግፍ ኢና” ኢላ።

“ኩሎም ወገናት ውግእ ደው ኣቢሎም ነቲ ናይ ሰላም ጻዕሪታት ክድግፉ ኣለዎም” ዝበለት እታ ሚንስትር፡ ብሕብረት ኣፍሪቃ ንዝግበር ዘሎ ናይ ድርድር ጻዕሪ ክድግፉ ጸዊዓ።

ብዘይካ እቲ ኲናት ኣብ ካልኦት ክፋላት ኢትዮጵያ ከቢድ ሰብኣዊ ቅልውላው ምህላዉ ሻቕሎታ ብምግላጽ፡ ነቲ ኣብ ደቡብ ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ድርቂ 5 ሚልዮን ፓውንድ ድጋፍ ከምዝወሃብ ኣፍሊጣ።

ብተወሳኺ ድማ ብሰንኪ እቲ ኲናት ንዝተሃሰዩ ወገናት ናይ ሕክምናን ትምህርትን ኣገልግሎት ንኽበጽሖም 5 ሚልዮን ፓውንድ፤ ንህንጸት ሰላምን ሓለዋ ሰብኣዊ መሰላትን 4.5 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝተመደበ ሓቢራ።

“እዚ ገንዘብ፡ መንግስቲ ዩናይትድ ኪንግደም ነቲ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ክውዕል ኣብ ልዕሊ ዝመደቦ 76 ሚልዮን ፓውንድ ተወሳኺ እዩ” ክትብል’ውን ኣረዲኣ።