እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ሓደ ሩባ ኬንያ ተጓሒፎም ዝተረኸቡ ሬሳታት ንብዙሓት ኣቖጢዑ
ኣብ ምዕራባዊ ኬንያ ብውሑድ 20 ኣስከሬናት ኣብ ሩባ ምርካቦም ስዒቡ ብዙሓት ቁጠዐኦም ይገልጹ ኣለዉ።
ሃኪ ኣፍሪቃ ዝተበሃለ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ኣስከሬናት ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ቀረባ ሰሙናት’ዮም ብኬሻታት ተዓሺጎም ካብ ዝተደርበዩሉ ሩባ ተኣርዮም ዘለዉ።
እቶም ኣስከሬናት ናብ ቃላይ ቪክቶሪያ ኣብ ዝውሕዝ ያላ ዝተበሃለ ሩባ ብኬሻታት ተቛጺሮም ከምዝተረኸቡ ዝገለጸ እቲ ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት፡ ገሊኦም ተኣሲሮም ገሊኦም ከኣ ኣካላቶም ተቆራሪጹ ከምዝነበሩ ኣረዲኡ።
ኣብ ኬንያ ዝርከብ ሓደ ቀብሪ ዝፍጸመሉ ቦታ መንነቶም ዘይተፈለጡ ትሸዓተ ሬሳታት ከምዝተቐበለን ንኹሎም ኣብ ሓደ ጉድጓድ ከምዝቐረበሮምን ዋና ዳይሬክተር ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ሃኪ ኣፍሪቃ ሑሴን ካሊድ ተዛሪቡ።
ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሃብዎ ቃል፡ መንነቶም ዘይተፈለጡ ሰባት ኣብ ሰዓታት ምሸት ነቶም ሬሳታት ኣምጺኦም ከምዝደርበይዎም ገሊጾም።
ዋና ዳይሬክተር ጉጅለ ሰብኣዊ መሰላት ሃኪ ኣፍሪቃ ሑሴን ካሊድ ምስ ካልእ ቦኒፌስ ምዋንጊ ዝተበሃለ ተጣባቒ መሰላት ብምዃን ናብቲ ሬሳታት ዝተረኸበሉ ቦታ ከምዝኸዱን ሽዑ ኣብቲ ሩባ ካልኦት ክልተ ሬሳታት ክንሳፈፉ ከምዝረኣዩን ተዛሪቦም።
ምዋንጊ ብትዊተር ኣብ ዝጸሓፎ መልእኽቲ “ሩባ ያላ ውቁብ’ዩ። ናይቲ ሩባ ማይ ኣብ ምዕራብ ኬንያ ብኣማኢት ኣሽሓት ንዝቑጸሩ ሰባት ህይወት ዝህብ’ዩ። ኣብ ትሕቲ እቲ ጽባቐ ግን ናይቶም ዝተጓሓፉ ሬሳታት ጸሊም ምስጢር ኣሎ” ኢሉ።
ወሲኹ ድማ “ብዘይካ ሩባ ያላ ኣበየኖት ጫካታትን ሩባታትን ኬንያ ሬሳታት ተጓሒፎም ይኾኑ” ክብል ቁጥዕኦን ጓሂኡን ኣስፊሩ።
ኣብዚ እዋን ኬንያውያን ብምርካብ እቶም ዝተደርበዩ ሬሳታት ቁጠዐኦም ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ብሰፊሑ ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።