እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ደብዳበ ካብ ኣፍሪቃ፦ ደዝሞንድ ቱቱ ብጋናዊ ስርዓት እንተዝቕበር ቀብሩ እንታይ ምመሰለ?
ካብ ኣፍሪቃውያን ጋዜጠኛታት ካብ ዝተልኣኻልና ተኸታታሊ ደብዳበታት፡ ጋናዊት ጸሓፊት ኤሊዛቤት ኦሀን፡ ሊቀ ጳጳሳት ዴዝሞንድ ቱቱ ኣብ ሃገራ እንተ ዝመውት እንታይ ክኸውን ከምዝኽእል ትሓስብ።
ብዓለም ደረጃ ሊቀ ጳጳሳት ኤሜሮተስ ዴዝሞንድ ቱቱ ካብቶም ውሩያት ሰባት ሓደ እዩ።
ድሕሪ ሞቱ እውን ዓለም፡ ካብቲ ህውከት ዝመልኦ ናብርኡን ትሑት ስርዓተ ቀብሩን ብዙሕ ክትመሃር ከምዘለዋ ብምእማን፡ ከም ማንም ተራ ሰብ ክቕበር ተላብዩ።
ኣብታ ከም “ዓለማዊት ርእሰ ከተማ ስነ-ስርዓት ቀብሪ” እትፍለጥ ሃገረ ጋና እንተዝኸውን፡ ከምዚ ዝኣመሰለ ኣብ ዓለም ልዑል ተፈላጥነት ዘለዎ ውሩይ ሰብ ሞይቱስ፡ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ብዘይ “ዓው ዓው” ብትሑት ደረጃ ክቕበር ከም ዘሰምብድ ሕንቅሕንቅሊተይ እዩ ዝረአ።
ብሞት ሓደ ውሩይ ሰብ እንታይ ከም እንገብር ነስተንትን ኔርና ኢና ። [ዴዝሞንድ] ኣብ ቀብሩ እውን ክትሕት እንተዘይመርጽ ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ መዓልቲ ኣይምተቐብረን።
ቀረባ ስድራ ቤቱ፡ በዓል መን ኣብ ቀብሪ ከምዝዕደሙን፡ ስነ-ስርዓት ቀብሩ እንታይ ከምዝመስልን ሊስታ ቀበርቱ ናብ ፕረዚደንት ጋና ንክልእኹ ብውሑዱ ልዕሊ ሰሙን ምወሰደሎም።
ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ሲሪል ራማፎሳ፡ ሞት ዴዝሞንድ ቱቱ ክሕብር እንከሎ ኣብ ዙርያኡ ጸሊም ክዳን ዝተኸድኑ ሓዘንተኛታት ኣባላት ስድራ እቲ ጳጳስ ኣይነበሩን።
ድሕሪኡ እውን ቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን፡ ዴዝሞንድ ቱቱ ብዝሃቦ ለበዋ ብዛዕባ ስርዓተ ቀብሩ ዝሃቦ ሓበሬታ ንብዙሓት ዘሰምበደ’ዩ ነይሩ።
ሓደ እዋን፡ ስድራ-ቤት ናይቲ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ጋና ቀንዲ ናይ ፍትሒ ሓላፊ ዝነበረ ሰብ፡ ዕረፍተ ሞቱ ንፕረዚደንት ከቕርቡ እንከለው ኣብ ኣኼባ ነይረ።
ላዕለዋይ ኣባል እታ ስድራ፡ ቀብሪ ናይቲ ዳኛ ከመይ ክኸውን ከምዝደሊ ናይ ጽሑፍ መምርሒ ገዲፉ ከም ዝኸደ እዝክር።
እቲ መዋቲ ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ኣብ ዘይመልእ ግዜ ክቕበር ዝሓትት ጽሑፍ ነበረ፡ እንተኾነ እቲ ሰብ ሞይቱ ተባሂሉ ንህዝቢ ቅድሚ ምሕባሩ ካብ ዝመውት ሰለስተ ሰሙን ገይሩ ነይሩ።
ጋዜጠኛ ኤሊዛቤት ኦሄኔ
“ዴዝሞንድ ቱቱ፡ ትሑት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ንኽግበረሉ እንተዘይላቦ ኣብ ከምዚ ዝኣመሰለ ተራ ሳንዱቕ ሬሳ ኣይምተቐብረን” ትብል።
ንድሌት ሓደ መዋቲ ምፍራስ ኣብ ልዕሊ ሬሳ ኣቦሓጎታትካ ከም ምልጋጽ ስለዝኾነ እምበር ንደዝሞንድ ቱቱ “እቲ ዝለዓለን ዝግበኦን ክብርን ስነ- ስርዓትን ምገበርናሉ ኔርና” ከኣ ትብል።
ምርጭኡ እንተዘይነብር ኣብ ተራ ናይ ጽሕዲ ሳንዱቕ ኣይምተቐብረን ነይሩ።
ምስ ስእሊ እቲ ሊቀ ጳጳሳት ዘሳኒ ሓደ ፍሉይ ዲዛይን ዝተገብሮ ክዳን ክስፈ መድለየ ግን ክሳብ ዝስፈ ግዜ ምወሰደ። ኣብ መዓልቲ ቀብሪ ዝኽደን ንኣገልግሎት ምስጋና ዝገልጽ ካልእ ጸሊምን ቀይሕን ልብሲ እውን ምተገብረ። ኣብ ርእሲኡ ኣሽሓት ቀባሮ ክምገቡ ነይሩዎም።
ነቲ ልብሲ ዝኸውን ዓለባ ኣብ ከባቢና ኣብ ዝርከብ ፋብሪካ ኣጭርቕቲ ምተዳለወ፤ ምናልባት እውን ካብ ቻይና ምመጽአ። ሰፈይቲ ክዳውንትናን ኣለምንትን እውን ብስራሕ ምተጸምዱ።
ድሕሪኡ፡ ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዘሳልጥ ኮሚቴን ኣጋይሽ ዝቕበልን ዘመሓድርን ንኡስ ኮሚቴን ምተመስረታ። ዝበዝሐ ባጀት ናይ ቀብሪ ዝወስድ ምግብን መስተን ቀባሮ ዘዳሉ ኮሚቴ እውን መድለየ።
ከም ቱቱ ዝኣመሰለ ሰብ ኣብ ዝሞተሉ እዋን ብኣሽሓት ዝቝጸሩ ሰባት ክምገቡ ኣለዎም። ንመምርሒታት ኮቪድ ኣብ ግምት ብምእታው ቡፈይ እኳ እንተዘይተገብረ ሰባት ነንቤቶም ሒዞሞ ዝኸዱ መግቢ ግን ምተዳለወ።
ምምሕዳር ከተማ ከኣ ኣብ ፈቐዶ ዓበይቲ ፓሎታትን መላግቦ መገብቲ ጽርግያታትን ስእልታት ሊቀ ጳጳሳት ምሸለመን ምዘርገሐን።
እቶም ኣሰናዳእቲ ስነ-ስርዓት ቀብሪ፡ ኣብ እዋን ቀብሪ ዝዕደል ናይ 90 ዓመት ህይወቱን ታሪኹን ዝገልጽ ብውሑዱ 100 ገጽ ዘለዋ ሕጽር ዝበለ ድሕረ ባይታን ናይ መፍናው መልእኽቲ መራሕቲ ዓለምን ዓበይቲ ፍሉጣት ሰባትን ዝሓቖፈት ብሮቸረፍ አሕቲሞም ምዓደሉ።
ነቲ ስነ-ስርዓተ ቀብሪ ዝስንዱ ሰኣልትን ቀረጽቲ ቪድዮን እውን ምሰርሑ።
እቲ ነታ ብሮሹር ዘዳሉ ኮሚቴ መልእኽቲ ፋንዎ ሰባት ኣካቲቱ፡ ኣብ ሰዓቱ ከቕርባ ምተሸገረ።
ኣብ ከም ናይ ዴዝሞንድ ዝኣመሰለ ዓብን ፍሉጥን ሰብ ንኹሉ ዘዕግብ ናይ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንምውዳድ ኣዝዩ ብሉጽ ክእለት ዝሓትት ስራሕ እዩ።
እቲ ስራሕ ብግቡእ እንተ ዘይተታሒዙ ከኣ ኣብ ስድራ-ቤት ባእስን ዘይምርድዳእን ምፈጠረ።
ኣብቲ ቀብሪ ሓደ ጕጅለ መዘምራን ጥራይ ኣይምተሳፈን። ብዙሓት መዘምራንን፡ ፍሉጣት ዘየምትን ኣኽብሮቶም ንምግላጽ መደባቶም ከቕርቡ ምደለዩ። ዋላ እውን እቲ ዕዮ ኣርባዕተ ሰዓት ዝወስድ እንተ ዝኸውን ንኹሎም ከተሳትፍን ከተዕግብን ከቢድ ምኾነ።
መሰናድኦታት ቀብሪ ብግቡእ ንክዋደድ እቲ ሬሳ ንሰለስተ ወርሒ ኣብ ሕክምና ምጸንሐ ነይሩ። ንሓደ ሬሳ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ በቲ ኣብ እዋኑ ዝተስመዓካ ውሽጣዊ ስምዒት እንተዘየፋኒኻዮ እንታይ ትርጉም’ከ ምሃበ?
ኣብቲ ቀብሪ፡ ካህናት ቤተ-ክርስትያን ኣንግሊካን ወለል ዝብል ኣልባሰ-ክህነት ተኸዲኖም ብመስርዕ ተሰሊፎም ሳንዱቕ ሬሳ ዴዝሞንድ ተሰኪሞም ይረኣዩ እኳ እንተ ነበሩ፡ እቶም ውሩያት ዘመርትን ሳዕሳዕትን ጸወርቲ ሬሳ ከኣ ነቲ ምርኢት የቕርቡ ነይሮም።
ስነ-ስርዓት ቀብሪ ማለት ዳርጋ ምርኢት ማለት እዩ።
ምናልባት ንድሌታቱ ንከነኽብር ኢልና እቲ ዝበሎ ክንፍጽም ተሰማሚዕና እምበር፡ ኣብ ጋና ከምዚ ዝኣመሰለ ሞት ኣብ ዘጋጥመሉ እዋን ንዝግበር ስነ-ስርዓት ቀብሪ ዝበቅዕ ምኽርን ክእለትን ከነወፊ ክንሕተት ጽቡቕ ምኾነ።
ጋናውያን ኣብ ዓለም ክኢላታት ስነ-ስርዓት ቀብሪ ስለዝኾንና ክእለትናን ፍልጠትናን እናተሓጎስና መካፈልና።