ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣፍራዪ ነዳዲ ሼል ንዘካይዶ ዳህሳስ ነዳዲ ኣጊዱ

Published

ቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ዓርሞሸሽ ኣፍራዪ ነዳዲ ሼል ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ባሕሪ እታ ሃገር ነዳድን ጋዝን ንምርካብ ከካይዶ ዝጸንሐ ዳህሳስ ኣጊዱ፡፡

ካብቲ ምንቅጥቃጥ መሬት ብዘስዕብ መገዲ ዝካየድ ዳህሳስ ዝወጽእ ድምጺ ነትጒ፡ ስነ ህይወታውያን ውሽጢ ባሕሪ ክጎድእ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ዘለዎም ጎስጎስቲ ከባቢ፡ ነቲ ውሳነ ንኢዶምዎ፡፡

ሼል ብወገኑ ስራሕቱ ኣወንዚፉ ነቲ ውሳነ ይግምግሞ ከምዘሎ ኣፍሊጡ፡፡

ሚኒስትሪ ጻዓት ደቡብ ኣፍሪቃ ግዌደ ማንታሸ ግና እቶም ነቲ ፕሮጀክት ዝነቕፉ ሰባት፡ ኣፍሪቃ ፍልፍል ጻዓት ከይህልዋ ዝደልዩ እዮም ክብል ወቒሱ፡፡

ነቲ ውሳነ ዝሃበ ዳይና ጀራልድ ብሎየም፡ ሼል ኣብቲ ገማግም ባሕሪ ዳህሳስ ከካይድ ዝተውሃቦ ፍቓድ ሕጋዊ መስርሕ ዘይተኸተለ እዩ ኢሉ፡፡

ኣብ ምብራቓዊት ግዝኣት ኬፕ ዝርከብ ገማግም ባሕሪ ብተፈጥሮኣዊ ስሕበቱን ብዝሃ ህይወትን ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ጎስጎስቲ ከባቢ ተፈጥሮ እቲ ኩባንያ የካይዶ ብዘሎ ምንቅጥቃጥ መሬት ዝፈጥር ኣለሻ፡ ኣብ ልዕሊ ዶልፊን ዝርከቦም እንስሳት ባሕሪ ጉድኣት ክበጽሕ ይኽእል እዩ ክብሉ ይካትዑ፡፡

ኣብቲ መስርሕ ፍርዲ ሓሳቦም ክህቡ ዝተሓተቱ ነበርቲ እቲ ከባቢ እውን ኣብቲ መሬትን ምግፋፍ ዓሳን ዘለዎም እንዳባዊ መሰላት ከምዘይተኸበረ ገሊጾም፡፡

እቲ ትካል ዝጥቀመሉ ዘሎ ምንቅጥቃጥ ዝፈጥር ሜላ (ሰይሰሚክ) ማዕበላዊ ምንቅጥቃጥ ናብቲ ማይ ዝተሰከመ መሬት ክትኮስ ብምግባር ዝካየድ ኮይኑ፡ ካብቲ ነትጒ ተመሊሱ ዝመጽእ ድምጺ፡ ኣብ ትሕቲ ከውሒ ነዳዲ ምህላዉን ዘይመህላውን ንምፍላጥ ይሕግዝ፡፡

እቲ ትካል ቅድም ክብል ቤት ፍርዲ ብዝሃቦ ፍቓድ ኣብቲ 6,000 ትርብዒት ኪሜ ስፍሓት ዘለዎ ከባቢ ካብ መጀመርታ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ስራሕቲ ኣለሻ ቀጺሉ ነይሩ፡፡

ኣብቲ ትማሊ ዝተውሃበ ፍርዲ ግና እቲ ዳህሳስ ጉድኣት ከምዘብጽሕ ሰብ ሞያ ከምዝመስከሩን ሼል እኹል መካትዒ ከምዘየቕረበን እቲ ዳይና ገሊጹ፡፡

ጎስጎስቲ ስነ ከባቢ፡ እቲ ውሳነ ‘‘ዓብዪ ዓወት እዩ’’ ክብሉ ንኢዶምዎ፡፡