ኣብ ናይ ጸበባ ኣዋርሕ ንነበርቲ ወልዲያ ዘገልገሉ ኣቡነ ኤርሚያስን ሲስተር ተስፋነሽን

Published

ኣብ ክልል ኣምሓራ ዞባ ሰሜን ወሎ እትርከብ ከተማ ወልዲያ ኣብ መፈለምታታት ወርሒ ነሓሰ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወት ይዝከር።

ካብቲ እዋን ጀሚሩ ድማ ንኣዋርሕ ናብታ ከተማን ከባቢኣን፡ ካብ ትካላት ረድኤት ኮነ መንግስቲ ዝቐረበ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘይነበረ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣገልግሎታት መብራህቲ፣ ማይ፣ ስልክን ኢንተርኔትን እውን ተቛሪጾም፤ ትካላት ሕክምናን ንግድን ስራሕ ደው ኣቢለን ጸኒሐን።

ካብ ኢድ ናብ ኣፍ ዝኾነ ናብራ ኣብ ዝመርሑላ ከተማ፤ ‘ሰብ እንታይ በሊዑን ሰትዩን ይሓድር ይኸውን?’ ዝብል ጉዳይ ንብዙሓት ዘጨነቐ ነይሩ።

ህይወት ኣብታ ከተማ

ነበርቲ ከተማ ወልድያ ኣብ ጸልማት ምሕዳር ብዘይኤለክትሪክ ምውዓልን ክለማመዱ ጀመሩ።

ምስ ዘመድ ኣዝማድ ምርኻብ ኮነ ብዛዕባ ድሕነቶም ሓበሬታ ምልውዋጥ ዘይከኣል ኮነ። ወልዲያ ካብ ካልኦት ከተማታትን ዓለምን ተፈልየት።

ዝኾነ ጉዳይ ሃልይዎ ወይ ቁሩብ ክንቀሳቐስ ደልዩ ካብ ገዝኡ ዝወጽእ ሰብ እንተሃልዩ ክሕደግ ከምዝኽእል ይዛረቡ።

“ሓሙሽተ ቅርሺ እንተኾነት’ውን ኣይገድፍዋን። ሰብ ሞባይል ስልኪ ኮነ ገንዘብ ከይሓዘ ክንቀሳቐስ እንተፈተነ’ኳ ብመንነት መሰረት ዝገበረ ጸርፊ ስለዝጻረፉ ናብ ጎንጺ ንዘይምእታው ብዝብል ኩሉ ሰብ ኣብ ገዝኡ ኮፍ ኢሉ እዩ ዘሕልፎ” ይብል ነባሪ እታ ከተማ ኑርሑሴን ኣሕመድ።

ኣብቲ ቅድሚኡ ውዕዉዕ ምንቅስቓስ ዝረኣየሉ ዝነበረ ኣደባባይ ሓደ ወይ ክልተ ሰብ ጥራሕ ክረኣይ ጀሚሩ።

ኣብ ልዕሊ ናይ ውልቀሰባት ኮነ መንግስታዊ ንብረት ዝፍጸም ዝምታን ዕንወትን መዓልታዊ ተግባር ከምዝነበረ ነበርቲ ይዛረቡ።

ኣገልግሎት ባንኪ ብዘይምንባሩ ከኣ ነበርቲ ነታ ኣብ ኢዶም ዝነበረት ገንዘብ “ክሳብ መዓዝ ክተጻንሐኒ ትኸውን?” ብዝብል ክመቓቕልዋ ጀመሩ። ብኸምዚ ኩነታት ሰሙናት ሓለፉ።

ነበርቲ እታ ከተማ ዘላቶም ብምውፃእ ሓቢሮም ምብላዕን ምስታይን ቀጸሉሉ።

“መድሓኒት ምምቓል”

“ኣብቲ እዋን ካብተን ኣብ ቁጽጽር ህወሓት ዘይኣተዋ ከተማታት መድሓኒት ኮነ ካልእ ነገር ምእታው ስለዘይከኣል፤ እቲ ምትሕግጋዝ ክሳብ መድሓኒት ምምቓል ዝበጽሕ ነይሩ” ይብል ብስራሕቲ ዕንጸይቲ ዝናበር ኑርሑሴን።

ጉድእ ኣካል ዝኾነ ኔርሑሴን ነታ ሕማም ሸኮር ዘለዋ ኣዲኡን ካብ ባጃጅ [በዓልቲ ሰለስተ እግሪ ተሽከርካሪት] ወዲቑ ሓደጋ ዝበጽሖ ሓዉን ዝኣልዮም ንሱ ብምንባሩ እቲ ኩነታት ቀሊል ኣይነበረን።

ብፍላይ ኣዲኡ እትወስዶ መድሓኒት ንምርካብ ዘይከዱሉን ዘይለመንዎን ኣይነበረን፤ ግን ከኣ ክረኽቡ ኣይከኣሉን።

“ኣደይ ብምሕረት ኣላህ እያ ብህይወት ጸኒሓ” ዝብል ኑርሑሴን፡ ንኣዋርሕ ዝኸውን መድሓኒት ዓዲጎም ዝጸንሑ ካልኦት ሰባት ነቶም ዘይብሎም ከማቕሉ ምጅማሮም ይዛረብ።

እሸቱ ኣሰፋ ዝተባሃለ ካልእ ነባሪ ድማ ሓደ ንበይኑ ዝነብር ዝነበረ ሕማም ሸኮር ዘለዎ መሓዝኡ ህይወቱ ሓሊፋ ድሕሪ ክልተ መዓልታት ከምዝረኸብዎ ይገልጽ።

“ስልኪ ይሰርሕ ብዘይምንባሩ ደዊሉ ክጽውዓና’ውን ኣይከኣለን። ኣነ ብዛዕባኡ ጥራሕ ስለዝፈልጥ እምበር ካልኦት ብስእነት መድሓኒት ዝሞቱ ሰባት ይህልዉ እዮም” ይብል።

ኣብ ወርሒ መስከረም ቢቢሲ ዘዘራረባ ሓላፊት መምርሒ ጥዕና ዞባ ሰሜን ወሎ ወይዘሮ ሰላማዊት ኣያሌው፡ ብሓፈሻ ኣብቲ ዞባ ልዕሊ 18 ሽሕ ተሓከምቲ ሕማም ሸኮር፣ ልዕሊ 20 ሽሕ ተጠቀምቲ ጸረ-ኤችኣይቪ ከምኡ’ውን 1145 ተሓከምቲ ሕማም ቲቢ ከምዝነበሩ ሓቢራ ነይራ።

ኣብ ርእሲ እቲ ናይ መግብን መድሓኒትን ሕጽረት እቲ ናይ ስነ-ልቦና ጸቕጢ’ውን ቀሊል ከምዘይነበረ ኑርሑሴን የረድእ።

“ሰብ ይቕተል። ለይቲ ብሻቕሎት ሓዲርና ምስ ወገሐ ‘መን ተቐቲሉ ይኸውን?’ ዝብል ጭንቀትና ከቢድ ነይሩ” ብምባል፡ ክሳብ ሎሚ ክጸንሑ ዝገበሮም እቲ ምትሕልላይ ከምዝኾነ ይገልጽ።

መኪና ብምዝዋር ናብርኡ ዝመርሕ እሸቱ ብወገኑ “ኣነን ካልኦት ዝበዝሑ ነበርቲን ልዕሊ ክልተ ወርሒ ዘጽንሕ ኣስቤዛ ኣይንሕዝን ኔርና” ብምባል ሓይልታት ትግራይ ነቲ ካብ ቆቦ ኮነ ካብ ደሴ ዝኣትው ሸቐጣት ይእግዱ ብምንባሮም እቲ እዋን በዳሂ ምንባሩ ይዛረብ።

ሓይልታት ትግራይ ግን ኣብ ልዕሊ ነበርትን ሰለማውያን ሰባትን ዘነጻጸረ ዝኾነ መጥቃዕቲ ከምዘይፍጽሙ እዮም ክገልጹ ጸኒሖም፤ ዝተፈጸመ እንተሎ ድማ ብዘይሻራዊ ዓለምለኻዊ ኣካል ክጻረ ይጠልቡ።

ዋጋ መግብን ሸቐጣትን

ዋጋ መግብን ሸቐጣትን ኣዝዩ ወሲኹ ከምዝነበረ ነበርቲ ይገልጹ። ንሱ’ውን እንተተረኺቡ’ዩ። ካብ 15 ክሳብ 20 ቕርሺ ዝሽየጥ ዝነበረ ናይ መግቢ ጨው ክሳብ 150 ቅርሺ ከምዝተሸጠ ይዝረብ። ተራእዩን ተሰሚዑን ብዘይፈልጥ ኩነታት ንሓደ ኩንታል ጨው 6500 ብር ተሸይጡ።

ዘይቲ ንሊትሮ 350 ብር፣ ሽሮ ብኪሎ 150 ብር ከምዝተሸጡ ነበርቲ ይዛረቡ። “በርበረ ሎሚ’ውን ጨና ማይ ኮይኑና’ሎ” ይብሉ።

ጣፍ ብኹንታል ልዕሊ 7 ሽሕ ብር ይሽየጥ ነይሩ።

ብርግጽ እቲ በዳሂ ኩነታት ምስ ምውሳኽ ዋጋ መግቢ ጥራሕ ዝተሓሓዝ ኣይነበረን። ኣጥሒንካ ንመግብነት ክውዕል ምግባር’ውን ቀሊል ኣይኮነን።

መብዛሕቲኡ ሰብ ብናይ ኢድ መጥሓን (መዲድ) እኽሊ ይጥሕን ከምዝነበረ ይዛረቡ። ደሓር ግን ብጹእ ኣቡነ ኤርሚያስ ንሓይልታት ትግራይ ለሚኖም እተን ናይ ባንክታት ጀነሬተራት ንእንዳ መጥሓን ክወሃባ ተገበረ።

ግን ከኣ ዋጋ ሓደ ጀሪካን ናፍጣ 7 ሽሕ ብር በጺሑ ብምንባሩ፤ እቲ ንመጥሓኒ እኽሊ ዝሕተት ዋጋ’ውን ቀሊል ኣይነበረን። ሓደ ኪሎ ንምጥሓን 100 ብር ይኽፈል ነይሩ።

ባንክታት ተዓጽዮም ብምንባሮም ከኣ ይትረፍ 100 ብር 10 እውን ምርካብ ኣጸጋሚ ነይሩ። በዚ ምኽንያት መብዛሕቲኡ ሰብ መዓልታዊ መግቡ ብኢዱ እናጠሓነ’ዩ ዘዳልው። ኣገልግሎት ማይ እታ ከተማ ተቛሪጹ ብምንባሩ ከኣ ዝተጥሓነ እኽሊ ምቡኳዕ ካልእ ብድሆ ኮይኑ ሓሊፉ።

እሸቱ ከምዝብሎ፡ እቲ ፈለማይ ወርሒ እዋን ክረምቲ ብምንባሩ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ፍልፍላት (ምንጪታት) ማይ ይርከቡ ነይሮም። ናይ ማይ ዝናብ ብምዕቛር እውን ይጥቀሙ።

ክረምቲ ምስተወደአ ግን እቶም ምንጪታት ደሪቖም። ሽዑ ማይ ንምርካብ ብኪሎሜትራት ጉዕዞ ምግባር ግድን ኮነ። “ክሳብ 5 ኪሎሜትር ውጽእ ኢልና ‘ጥቁር ወሃ’ ካብ ዝበሃል ሩባ ማይ ነምጽእ ኔርና” ይብል እሸቱ።

እቲ ከባቢ ኲናት ዝካየደሉ ብምንባሩ ድማ ዝነድድ ዕንጸይትን ፈሓምን ምርካብ ቀሊል ከምዘይነበረ ይዛረብ።

“ኩርታን ጎቦታት ሃራን”

ጎቦታት ኩርታን ሃራን ንነበርቲ ወልዲያ መርድእ ኮነ ሓዘን ዝሰምዑሎም ቦታታት’ዮም፥ ናብቶም በረኽቲ ቦታታት ብምድያብ ናብቶም ካብታ ከተማ ወጻኢ ዝርከቡን ዝተጨነቑን ኣባላት ቤተሰቦም ስልኪ ብምድዋል [ኣብቲ በሪኽ ቦታ ዝሓሸ ኔትወርክ ስልኪ ስለዝረኽቡ] “ብህይወት ኣለና” ይብልዎም።

ነዚ ዕድል ንምርካብ ግን ብዙሕ ውረድ ደይብ ምሕላፍ ግድን’ዩ። ንሓጺር ጊዜ ምስ ቤተሰብ ስልኪ ንምዝርራብ ክሳብ 500 ብር ክትኸፍል ትጽቢት ይግበር። ገንዘብ እንተተረኺቡ’ኳ ናብቲ ቦታ ብሰላም በጺሕኻ ምምላስ ቀሊል ኣይነበረን።

ስልኮምን ገንዘቦምን በቶም ዕጡቓት ሓይልታት ዝምንመንጠሉ ብዙሓት ከምዝኾኑ ይዛረቡ።

“ንመን መረዳእታ ተቐብሉ ኣለኹም? ንሰራዊት ምክልኻል ሃገር እንታይ ተዛሪብኩምዎም?” ብዝብል ይንገላትዑ ምንባሮም ነበርቲ ይዛረቡ።

“ዝበዝሕ እዋን ኣዴታትን ብዕድመ ድፍእ ዘበሉ ሰባትን ኣይትንከፉን ብዝብል ንሳቶም በጺሖም ክምለሱ ይግበር ነይሩ” ይብል እሸቱ።

ይኹን’ምበር ናብቲ ጎቦ ምድያብ ኮነ ተንቀሳቒስካ ኔትወርክ ዝርከበሉ ከባቢ ምርካብ ኣጸጋሚ ስለዝኸውን እቶም ገንዘብ ዘለዎም ውሑዳት ጥራይ ንሰብ ባጃጅ ልኢኾም ከደውሉ እዮም ዝመርጹ ነይሮም። እቶም ዘይከኣሉ 'መልእኽቲ ኣብጽሑልና' ይብሉ ነይሮም።

ውዕለታ ኣቡነ ኤርሚያስ

ኑርሑሴን ሙስሊም’ዩ። ሊቀ-ጳጳስ ሃገረ ስብከት ሰሜን ወሎ ዝኾኑ ኣቡነ ኤርሚያስ ንዝፈጸምዎ ውዕለታ ግን ፈጺሙ ከምዘይርስዖ ይዛረብ።

“ናቶም ምህላው ንመናእሰይ ወልዲያን ካልኦት ነበርትን ህይወት ኮይኑ’ሎ” ይብል።

ኣቡነ ኤርሚያስ ኣብቲ እዋን ጸበባን ጭንቀትን ነበርቲ ንሕድሕዶም ተሓባቢሮምን ተሓጋጊዞምን ንኽነብሩ፤ ኣብ ኣብያተ መስጊድን ኣብያተ ክርስትያንን እኽሊ እናተዋጽአ ነበርቲ ተማቒሎም ክዕንገሉ ይገብሩ ነይሮም።

“ብናቶም ዓቕምን ሓይልን ኢና ናብዚ በቒዕና። ዕድሚኦም የንውሓዮ። ነዊሕ የጽንሓዮም ኢና ንብል” ክብል ይገልጽ ኑርሑሴን።

ከተማ ወልዲያ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ምስወደቐት ኣቡነ ኤርሚያስ ንመራሕቲ ሃይማኖት ምስልምናን ዓበይቲ ዓድን ዝሓቖፈ ኮሚቴ ሰላም ክቐውም ከምዝገበሩ እቶም ነበርቲ ይዛረቡ።

እቲ ኮሚቴ ኣብ መሳጊድን ኣብያተ ክርስትያንን ሰባት ብምምዳብ ንሰብ ሃብቲ ብውሽጣ ውሽጢ ብርካብን ገንዘብ ዘለዎ ገንዘብ ከዋጽእ፤ እኽሊ ዘለዎ ድማ እኽሊ ክህብ እናተገበረ ነቶም ኣብ ዝኸፍአ ደረጃ መነባበሮ ንዝወደቑ ይከፋፈል ነይሩ።

ኣቡነ ኤርሚያስ ኣብቲ ፈለማታት ነበርቲ ካብ ዝርካቦም ናብ ቤተክርስትያን ነኪዮም ከብጽሑ ብምግባር እቶም ንኸቢድ ሽግር ዝተቓልዑ ሰባት ክማቐልዎ ይገብረ’ኳ እንተነበሩ፤ እቲ ጊዜ እናነውሐ ብምምጽኡ ግን በቲ መገዲ ምቕጻል እኹል ኣይኮነን።

ኣብታ ከተማ ንዝርከቡ ሰብሃብቲ ብምልዕዓል ንዝተጸገሙ ሰባት ብልቓሕ ወይ ብልግስና ክህቡ ገይሮም። በዚ መገዲ ዝኣከብዎ ገንዘብ ድማ ነቶም ብዝለዓለ ደረጃ ዝተጸገሙ ኣከፋፈልዎ።

እዚ እኹል ብዘይምንባሩ ድማ ሓረስቶት ካብቲ ዝበጽሐ ፍርያት ሕርሽኦም ንዝተጸገሙ ክማቐሉ ገበሩ። እቲ ፈታኒ እዋን ከኣ ብኸምዚ ክሓልፍ ተገበረ።

ንሓኻይም ኣተሓባቢሮም ድማ ህዝቢ ኣገልግሎት ሕክምና ክረክብ ገይሮም።

ዕጡቓት ሓይልታት ትግራይ ንመንበሪ ገዛ ውልቀሰባት ክዘምቱ ከለዉ፡ ኣቡነ ኤርሚያ “በጃኹም ግደፉ” እናበሉ ይምሕጸኑ ምንባሮም ኑርሑሴን ይዛረብ።

ነዐኦም እንተተንኪፎምዎም ህዝቢ ናብ ካልእ ነገር ክኣትው ከምዝኽእል ስለዝሰግኡ ከይኮነ ኣይተርፍን እቶም ሓይልታት ንኣቡነ ኤርሚያስ ይሰምዕዎም ነይሮም ይብሉ ነበርቲ።

ብርግጽ ንሶም ዝንሳቐሱላ ሚናነን ካልእ ናይቲ ቤተ ክህነት መኪናን ተወሲደን እየን። ዝተቐትሉ ከምዝለዉ ድማ ይዝረብ።

ኣብዚ በዳሂ ኩነታት ግን ኣቡነ ኤርሚያስ ንነብሶም ከይሰስዑ ንዝተጸገመ ከዐንግሉ ጸኒሖም ኣለዉ። ኣብ ሓደ ቃለ-መሕትት ስለምንታይ ነታ ከተማ ገዲፎም ክወጽኡ ከምዘይመረጹ ተሓቲቶም “ኣነ ጓሳ እየ። ኣባጊዐይ ገዲፈ ናበይ ክኸይድ?” ዝብል መልሲ ሂቦም ነይሮም።

‘ተስፋ ብዙሓት’ ሲስተር ተስፋነሽ

ኣደ ሰለስተ ቆልዑት ዝኾነት ሲስተር ተስፋነሽ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ኮይና ናይ ብሕቲ (ውልቀ) ትካል ጥዕና ኣለዋ። ብዘጋጠመን ጸገም ጥዕና ሓደ ኩላሊታ ብመጥባሕቲ ተወጊዱላ ናብ ወልዲያ ካብ እትምለስ ኣብ ሓጺር ጊዜ ነይሩ ሓይልታት ትግራይ ነታ ከተማ ዝተቖጻጸርዋ።

“ቅድሚ 30 ዓመታት እውን ህወሓት ናብ ወልዲያ ክኣትዉ ከለዉ ኣብዚ ሞያ እየ ነይረ። ብዙሓት ደቂኣንስትዮን ኣደታትን ክጉድኣ ርእየ እየ። ሽዑ ውሽጠይ ተጎዲኤ ሓሊፈዮ። ሎሚ ግን ከምኡ ክኸውን ኣይደለኹን። ሎሚ’ውን ኣብዚ ምስረኸቡኒ ንኣዶታት ክረድእ ከምዝኽእል ሓሲበ” ክትብል ዝኸኣለቶ ክትገብር ከምዝወሰነት ተረድእ።

ብዛዕባ ድሕነት ተምሃሪት 12 ክፍሊ ጓላ እንተጨነቓ’ውን “ኣብ ሓደ ዘይረኣይ ገዛ ዓጽየያ እየ ዝሰርሕ ዝነበርኩ” ትብል። ደቃ ዝሰርሑሎም ካልኦት ትካላት ንግዲ ግን ዓንዮምን ተዘሚቶምን’ዮም- ትብል።

ትካላት ጥዕና ዝርከብዎም ብዙሓት መንግስታውን ብሕቲን ትካላት ከምዝተዘመቱ እትዛረብ ሲስተር ተስፋነሽ፡ ኣቐዲማ ዝተወሰኑ ናውቲ ሕክምና ብምሕብኣ ንቑሩብ ሰብ ክትሕክም ከምዝኸኣለት ትገልጽ።

“ለይቲ ጀኔሬተር ክንውልዕ ኣይንኽእልን። ቀትሪ ጥራሕ ኢና ንሰርሕ። ናይ ሕክምና ጋውን እውን ኣይንኽደንን ኔርና” እትብል እታ በዓልቲ ሞያ ሕክምና ክሳብ ዝሓለፈ ሰሙን 90 ኣደታተት ከምዘሕረሰተን ትዛረብ።

ሰኣን ኣገልግሎት ሕክምና መጥባሕቲ ግን “ኣርባዕተ ህጻናት ተዓፊኖም ንሞት ተሳጢሖም” ብምባል፡ ካብ እትወልድ ድሕሪ ሰሙን ንሕክምና ዝመጽአታ ኣደ’ውን ከምዝሞተት ሓቢራ።

ኣብቲ ጽንኩር እዋን ንህይወት ብዙሓት ኣዴታት ክተድሕን ምኽኣላ ሓጎስ ከምዝፈጥረላ ብምግላጽ ድማ “ደው ኢለ ክሰርሕ ከለኹ ኣእጋረይ ይሓብጥ ነይሩ። ግን ከኣ ኣደታተት ብሰላም ተገላጊለን ደቀን ሓቚፈን ክኸዳ ከለዋ የሕጉሰኒ ነይሩ” ትብል።

ዛጊት ትካላት ጥዕና ናብ ኣገልግሎት ጥዕና ከምዘይተመለሱ ብምሕባር ንሳ ግን ኣገልግሎት ትህብ ምህላዋ ገሊጻትልና።

“ኣብቲ እዋን ጸበባ ዘሕረስክወን ኣዴታት እናመጽኣ ደቀን የርእያኒ ኣለዋ” ትብል።

ወልዲያ ሎሚ

ሓይልታት መንግስቲ ናብታ ከተማ ክኣትዉ ከለዉ ህዝቢ ናብ ጎደናታት ብምውጻእ ኣቀባብላ ክገብረሎም ተራእዩ ነይሩ።

ነባሪ እታ ከተማ ዝኾነ ኑርሑሴን ነጻነት ንዝባሃል ነገር ቦታ ንኽህቦ ዝገበረኒ ኣጋጣሚ ነይሩ ክብል ነቲ ኩነታት ይገልጾ።

እሸቱ ብወገኑ እታ ከተማ ኣብዚ እዋን ናብ ንቡር ምንቅስቓስ ንምምላስ ትሸባሸብ ምህላዋ ትዕዝብቱ ይገልጽ። ብርግጽ ንነበርቲ ክሳብ ዘዘራረብናሉ -15 ታሕሳስ 2014 [24 ታሕሳስ 2021] -ኣብ ዝነበረ እዋን ኣብታ ከተማ ኣገልግሎት መብራህቲ ኣይተመለሰን ነይሩ።

ክሳብ ሎሚ ናብታ ከተማ ዝበጽሐ ሰብኣዊ ረድኤት ከምዘየለ’ውን ነበርቲ ይዛረቡ።

ዩኒቨርሲቲ ወልዲያ፣ ትካላት ጥዕና፣ ባንክታት፣ ኣብያተ ትምህርቲ፣ ትካላት ንግዲን ካልኦት ትሕተ ቕርጽን ሰፊሕ ዝምታን ዕንወትን ከምዝተፈጸሞም ይግለጽ።

ኣብታ ከተማ ብዙሕ መርድእ ይንገር ከምዘሎ ዝገልጽ እሸቱ፡ ተፈናቒሎም ድዮም ወይስ ሞይቶም ዝብል ዘይተፈለጠ ብዙሓት ሰባት ከምዘለዉ ይሕብር።

“ይመጽኡ’ዶ ይኾኑ ብዝብል ትጽቢት ይግበር ኣሎ። በቢገዝኡ ዝጎደለ ሰብ ገና ምጽራይ ይግበር ኣሎ” ይብል።