ኣምሓራ፡ ጀነራል ኣሳምነው ፅጌ ብባጃጅ ከምልጥ'ዩ ተቐቲሉ ተባሂሉ

Published

ኣብ ኣዲስ ኣበባን ባህርዳርን ኣብ ዝተፈጸሙ ቅትለታት ምጽራይ ይግበር ከምዘሎ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ቀዳማይ ሚኒስተር፡ በቲ ኣብ ባህርዳር ዝተፈጸመ ቅትለት፡ እታ ሃገር ዝጀመረቶ ለውጢ ከምዘይተዓናቐፍ ሓቢሩ።

ኣብ ህሉው ኩነታት መግለጺ ዝሃበት ፕረስ ሰክረተርያት ቀዳማይ ሚኒስተር ቤለንኔ ስዩም ፡ ኣብቲ ዕለት ኣሳምነው ጽጌ ኣብ ቤት ጽሕፈት እቲ ክልል ተረኺቡ ነቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ትእዛዝ ይህብ ከምዝነበረ ገሊጻ።

ብተወሳኺ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልልን ኣዛዚ ፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልልን ኣኼባ ኢሉ ብምጽዋዕ ከምዝዓፈነን ናብ መንበሪ ገዛውቲ ካልኦት ሰበ ስልጣናት ከምዘምረሐን ሓቢራ።

ናብ መራኸቢ ሓፋሽ ክልል ኣምሓራ ብምድዋል ኣብ ክልተ ከባቢ ጥቕዓት ከምዝተፈጸመን፡ ብዛዕባ ቀጻሊ ትልምታቱ ብዝምልከት ናብ ህዝቢ መግለጺ ከብጽሑ ኣዚዙ።

መንበሪ ገዛ ምክትል ፖሊስ ኮሚሽነር እቲ ክልል፡ ጥቕዓት ክፍጸመሉ ዝተደልየ ራብዓይ ቦታ ከምዝነበረን፡ ንሶም ድማ ክቕተሉ ተሓሲቡ ከምዝነበረን እታ ፐረስ ሰክረታሪ ገሊጻ።

ሓይሊታት ጸጥታ እቲ ክልል ፌደራልን ስጉምቲ ምውሳድ ምስጀመሩ፡ ብ/ጀነራል ኣሳምነው ጽጌ ከምዝተወቕዐን ብመኪና ከምዘምለጠን ተገሊጹ።

ድሕሪ ክልተ መዓልቲ ድማ ብባጃጅ ናብ ጎንደር ከምልጥ ዘንዘልማ ኣብ ዝበሃላ ከባቢ ብፍሉይ ሓይሊ እቲ ክልል ከምዝተቐትለ ቢልለኔ ስዩም ገሊጻ።