ኣብ ክልል ኣምሓራ ኣብ ክልተ ኣዋርሕ 184 ሰባት ተቐቲሎም- ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ

Published

ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ክልል ኣምሓራ ይካየድ ብዘሎ ኵናት ኣብ ክልተ ኣዋርሕ ጥራይ ህይወት 184 ሰላማውያን ሰባት ከምዝሓለፈን ኢሉ’ውን ብዙሓት ሰባት ኣካላውን ስነ ልቦናውን ጉድኣት ከምዝበጽሖም ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ (ኢሰማኮ) ዕላዊ ገይሩ።

እቲ ኣብ ትግራይ ጥራይ ተሓጺሩ ዝነበረ ኵናት ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ናብ ኣምሓራን ዓፋርን ምልሓሙ ስዒቡ “ብፍላይ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ቁጽጽሮም ኣብ ዘእተውዎም ከተማታትን ገጠራትን ንሰለማውያን ሰባት ተኵሶም ከምዝቐተሉን ከምዘቑሰሉን፣ ኮነ ኢሎም ንብረት ከምዝዘመቱን ከምዘዕነዉን ተረጋጊጹ’ዩ” ክብል እቲ ኮምሽን ዕላዊ ዝገበሮ መረዳእታ ይሕብር።

ካብኡ ብተወሳኺ ሓይልታት ትግራይ ናብ ከተማታት ከበድቲ ብረት ይትኩሱ ከምዝነበሩ ኣብቲ ጸብጻብ ተገሊጹ’ሎ። ህወሓት ክሳብ ሕጂ ብዛዕባ እቲ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣመልኪቱ ዝሃቦ ምላሽ የለን።

ቅድሚ ሕጂ ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ምስ ትካል ሰብኣዊ መሰላት ሕቡራት ሃገራት ብሓባር ኣብ ዘካየዶ ምርመራ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ግን እቲ ኮምሽን ‘ወገናዊ’ዩ’ ክብል ነቒፍዎ ከምዝነበረ ዝዝከር’ዩ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብቲ ሎሚ ዘውጽኦ ጸብጻብ ምስ 128 ሰባት ቃለ መሕትት ካብ ምግባሩ ብተወሳኺ ግዳያትን ስድራ ግዳያትን ከምዘዘራረበ ኣፍሊጡ።

እቲ ኮምሽን ዕላዊ ብዝገበሮ መረዳእታ መሰረት ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰለማውያን ሰባት ኣብ ዝነብርሎም ከባቢታት ኮይኖም ንዝወስድዎ መጥቃዕቲ ንምክላኻል ኢሉ ከበድቲ ብረት ስለዝተጠቐመ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ሞት፣ ጉድኣትን ዕንወትን ተፈጺሙ’ዩ ኢሉ።

ኮምሽነር ኢሰማኮ ዶ/ር ዳኒኤል በቀለ “እቲ ኣብ ደቡብ ጎንደር ኮነ ሰሜን ወሎ ብኩሎም ተሳተፍቲ ኣካላት ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝተፈጸመ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ኣመልኪቱ ዝተገበረ ምርመራ ኣብ ልዕሊ ሰለማውያን ሰባት ዝበጽሕ ዘሎ ጉድኣት ብቕልጡፍ ደው ክብል ከምዘለዎ ዘመላኽት’ዩ” ኢሉ።

ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ኣካላት ድሕነት ሰለማውያን ሰባት ክሕልዉን ሰብኣዊ መሰላት ንዝግህሱ ኣባላቶም ድማ ክሕተቱ ክገብሩ ከምዘለዎም ኮምሽነር ዳኒኤል በቀለ ገሊጹ።

ኮምሽን ሰብኣዊ መሰላት ኢትዮጵያ ኣብ ቀጻሊ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ዓፋርን ኣምሓራን ካልእ ተወሳኺ ምርመራ ከምዝገብር ዝሓበረ ኮይኑ ኣብ ደቡብ ጎንደርን ሰሜን ወሎን ብኵናት ንዝተሃሰዩ ከባቢታት ደጊሞም ዝጣየሰሉ ሓገዝ ክግበረሎም ይግባእ ዝብል ማዕዳ ለጊሱ።