ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ ሞይቱ

Published

ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ዝነበረ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ፡ ከምዝሞተ ተገሊፁ።

መራኸቢ ሓፋሽ እታ ሃገር: ኢቢሲ፡ ኣይተ ኣበረ ኣዳሙ ሎሚ ንጉሆ ናይ ሕማም ስምዒት ተሰሚዑኒ ኢሉ ናብ ሆስፒታል ምስ ከደ ከምዝዓረፈ ፀብፂቡ።

ኣይተ ኣበረ፡ ኣብ ክፍሊ ሃንደበታዊ ሕክምና እንከሎ ብሕማም ወቕዒ ልቢ ከምዝሞተ ንምንጭታት እቲ ሆስፒታል ብምጥቃስ ኢቢሲ ሓቢሩ።

ኣይተ ኣበረ፡ ንልዕሊ ክልተ ዓመታት ኮምሽነር ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኮይኑ ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብ ኮሚሽን ፖሊስ ፌደራል ምክትል ኮምሽነር ዝነበረ ኣይተ ተኮላ ኣይፎክሩ፡ ንኮምሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ክምርሕ ከምዝተመዘዘ ይዝከር።

እቲ ሓድሽ ኮምሽነር፡ ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኣብ ፖሊስ ፌደራል ብሓላፍነት ቅድሚ ምምዳቡ፡ ኣብ ኮምሽን ፖሊስ ክልል ኣምሓራ ኣብ ዝተፈላለዩ ቦታታት ኣገልጊሉ እዩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ኣብ ክልል ኣምሓራ ብዝተወልዐ ግጭት፡ ብዙሓት ሰባት ድሕሪ ምቕታሎምን፡ ኣብ ንብረት ዕንወት ድሕሪ ምውራዱን'ዩ ኣቶ ኣበረ ብሓድሽ ኮሚሽነር ተተኪኡ።