እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን፡ ንኣልበሽር ዝኣለየ ናዕቢ ንምዝካር ናብ ኣደባባያት ዝወጹ ሰልፈኛታት ንወተሃዳራዊ ዕልዋ ተቓዊሞም
ነቲ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ኣልበሽር ዝተዓልወሉ ሰፊሕ ህዝባዊ ዓመጽ ንምዝካር ናብ ኣደባባያት ዝወጽኡ ሱዳናውያን ኣንጻር ወተሃደራዊ ዕልዋ ተቓውሞ ኣስሚዖም።
ዋና ከተማ እታ ሃገር ኣብ ዝኾነት ካርቱም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝግመቱ ሱዳናውያን ናብ ኣደባባያት ብምውጻእ ተቓውሞ ኣብ ዘስምዑሉ ፖሊስ ነቶም ሰልፈኛታት ንምብታን ዘንብዕ ጋዝ ተጠቒሙ።
ኣብ 2019 ዝተኻየዱ ተቓውሞታት ነቲ ኣብ ሱዳን ንነዊሕ ዓመታት ስልጣን ብሒቱ ዝጸንሐ መላኺ ፕረዚደንት ዑመር ኣል-በሽር ካብ ስልጣኑ ከምዝተኣልየ ይዝከር።
ድሕሪ እቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ሲቪላውያንን ወተሃደራዉን መራሕቲ ስልጣን ንምምቕራሕ ናብ ስምምዕ በጺሖም። ስምምዖም ከኣ ክሳብ’ቲ ዕልዋ ዝተኻየደሉ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ጸኒሑ።
ኣብታ ሃገር ንዝተኻየደ ወተሃደራዊ ዕልዋ ስዒቡ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ዝጸንሐ ፕረዚደንት ዓብደላ ሓምዶክ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ’ዩ ዳግም ናብ ስልጣኑ ክምለስ ተገይሩ።
ዋላ ሓምዶክ ናብ ዝነበሮ ስልጣን ክምለስ እንተተገበረ፤ እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ግን ደው ክብል ኣይከኣለን። ምሉእ ብምሉእ ሲቪላዊ መንግስቲ ክቐውም ዝጠልብ ድምጽታት ተቓውሞ ክስምዑ ቀጺሎም።
ትማሊ ሰንበት ናብቲ መራሒ ዕልዋ ዝኾነ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዝነብረሉ ቤተ-መንግስቲ ዝገስገሱ ኣሽሓት ሰልፈኛታት “ህዝቢ’ዩ ሓያል፤ ምድሕርሓር ፈጺሙ ኣይክህሉን” ክብሉ ተሰሚዖም።
እቲ ጀነራል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ድማ ጸዊዖም።
ሓደ ካብ ሰልፈኛታት “ዋላ’ውን ሓምዶክ ናብ ስልጣኑ እንተተመለሰ ዝኾነ ዓይነት ዕልዋ ተቐባልነት የብሉን። እቲ ኣብ ወርሒ ታሕሳስ ዘካየድናዮ ዘደንቕ ሰውራ [መሰረታዊ ለውጢ] ሲቪላዊ ትካልን ስልጣንን ንምምጻእ’ዩ ነይሩ። ንረብሓ ውልቀሰባት ኣይኮነን ተኻይዱ” ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።
እቲ ህዝባዊ ተቓውሞ ብዘይካ ኣብ ካርቱም ኣብ ካልኦት ከተማታት እታ ሃገር’ውን ከምዝተኻየደ ተፈሊጡ’ሎ።
ሰልፈኛታት ከኣ ባንዴራ ሱዳንን ስእልታት ናይቶም ኣንጻር ዕልዋ ኣብ ዝተኻየደ ተቓውሞ ዝተቐተሉ ብጾቶም ሒዞም ተራእዮም።
ዕልዋ ካብ ዝተኻየደሉ ወርሒ ጥቅምቲ ክሳብ ሎሚ ብውሕድ 45 ሰባት ከምዝተቐተሉ ሓደ ዘይሻራዊ ኮሚቴ ዶካትር ይሕብር።
ብመሰረት እቲ ኣብ 2019 ተበጺሑ ዝነበረ ስምምዕ ምምቕራሕ ስልጣን፡ ጀነራል ኣልቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ስልጣኑ ንሲቪላዊ ምምሕዳር ከረክብ ትጽቢት ይግበር ነይሩ።
ዕልዋ ዝተኻየደሉ ምኽንያት ከብርህ ከሎ፡ ገለ ፖቲካዊ ጉጅለታት፡ ዜጋታት እታ ሃገር ኣንጻር ሓይልታት ጸጥታ ክለዓዓሉ ብምግባሮም ንዘንጸላለወ ኲናት ሓድሕድ ንምቁጽጻር ከምዝኾነ ይሕብር።
መንግስቲ ብመሰረት እቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2023 ክካየድ ዝተተለመ ምርጫ፡ ስልጣን ናብ ሲቪላዊ ምምሕዳር ንምስግጋር ድልው ከምዝኾነ’ውን ይገልጽ።
ተቓውሞ ዘስምዑ ሰልፈኛታት ግን በዚ ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ብምሕባር ተቓውሞኦም ቀጺሎም ኣለዉ።