ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ብወተሃደራዊ ክንፊ ዝተሾሙ ኣመሓደርቲ ኣውሪዱ

Published

ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ ስዒቡ ብወታሃደራዊ መራሒ እታ ሃገር ብግዝያዊነት ዝተሸሙ ኣመሓደርቲ ግዝኣታት ካብ ሓላፍነቶም ኣውሪዱ፡፡

ኣዛዚ ሰራዊት ሱዳን ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣል-ቡርሃን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነቲ ዕልዋ ድሕሪ ምክያዱ፡ ንኩሎም ትካላት መሰጋገሪ መንግስቲ ብምፍራስ ንብዙሓት ሰበስልጣን ካብ መዝነቶም ከም ዘውረዶም ይዝከር።

ቀዳማይ ሚኒስተር ዓብደላ ሓምዶክ፡ ምስቲ ዕልዋ መንግስቲ ዝመርሐ ጀነራል ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን ብዝገበሮ ስምምዕ እዩ ድሕሪ ዕልዋ ናብ መዝነቱ ተመሊሱ ዘሎ፡፡

እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብ ቀረባ እውን ንኻልኦት በቲ ወታሃደራዊ ምምሕዳር ዝተሸሙን ገሊኦም ድማ ምስ ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣል-በሽር ርክብ ዝነበሮምን ሓያሎ ሚኒስተራት ሰጒጉ እዩ፡፡

ብዘይካ'ዚ፡ ሓምዶክ ካብ ዝሓለፈ 25 ጥቅምቲ 2021 ጀሚሩ ኣብ ልዕሊ ሰልፈኛታት ንዝተፈፀመ ግህሰት ምርመራ ክካየድ ምዃኑ ከም ዝተዛረበ'ውን መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሓቢሩ ነይሩ።

ብፖለቲካዊ ተሳትፎ ወታሃደራዊ ክንፊ ሱዳን ሕጉሳት ዘይኮኑ ብዙሓት ሱዳናውያን ሲቪላዊ መንግስቲ ናብ ቦትኡ ክምለስ ተቓውሞ ቀጺሎም ኣለዉ፡፡

ሓይልታት ጸጥታ ሱዳን ነቶም ኣንጻር ወታሃደራዊ መግዛእቲ ዝካየዱ ዘለዉ ሰልፍታት ተቓውሞ ንምብታን ብዝወሰዱዎም ስጉምቲታት ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝተቐተሉ ጸብጻባት ይሕብሩ፡፡

ብተወሳኺ ዓበይቲ ፖለቲካዊ ውድባትን ሰልፈኛታትን፡ ሓምዶክ ምስ'ቲ ሰራዊት ዝኸተሞ ስምምዕ እውን ኣይተቐበሉዎን ዘለዉ፡፡

ገለ ወገናት ከም ጥልመት ክርእይዎ እንከለው ነቲ ወተሃደራዊ ዕልዋ ፖለቲካዊ ሸፈነ ምግባር ምዃኑ ይገልጹ።