እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ደው ክብል ጸዊዑ
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኵናት ካብ መዓልቲ ናብ መዓልቲ እንዳተጋደደ ይኸይድ ብምህላዉ ከምዘተሓሳሰቦ ብምግላጽ ብቅልጡፍ ደው ክብል ጻውዒት ኣቕሪቡ።
ኣብቲ ትማሊ ዝተኻየደ ኣኼባ ባይቶ ጸጥታ፡ ብ15 ሃገራት ተቐበልነት ረኺቡ ዝወጽአ መግለጺ፡ ኩሎም ኣብቲ ኵናት ዝሳተፉ ዘለዉ ወገናት ኵናት ደው ብምባል “ቀጻልነት ሰላም ዘውሕስ ቶኵሲ ደው ናይ ምባል ስምምዕ ንምኽታም” ዘተ ክጅምሩ ጻውዒት ቀሪቡ።
እቲ መግለጺ ብምስዓብ፡ ነቲ ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው መፍትሒ ንምርካብ፡ ሰላምን ምርግጋእን ንኽዓስል ንኹሉ ዘሳትፍ ሃገራዊ ዘተ ንኽካየድ ባይታ ክጣጣሕ ሓቲቱ።
ኣባላት ባይቶ ጸጥታ፡ ነቲ ጸገም ንምፍታሕ ብሕብረት ኣፍሪቃን ዞባውያን ውድባትን ንዝግበር ተበግሶታት ከምዝድግፍን ብፕረዚደንት ናይጀርያ ነበር ኦሉሴንጎ ኣባሳንጆ ዝተወሰደ ስጉምቲ’ውን ምሉእ ደገፍ ከምዝህቦን ኣነጺሩ።
ብምስዓብ፡ ኩሎም ወገናት “ጽልኢ ካብ ዘሳውር፡ ግጭትን ምክፍፋልን ካብ ዘጋድድ ዘረባታት” ክቁጠቡ’ውን ኣተሓሳሲቡ።
እቲ ኣብ ክልል ትግራይ ካብ ዝጅመር ሓደ ዓመት ዝደፈነ ኵናት ኣብዚ እዋን ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ብምልሓም ኣብ ሰብን ንብረትን ከቢድ ጉድኣት ከምዘውረደ ጸብጻባት የነጽሩ።
ባይቶ ጸጥታ፡ እቲ ኵናት ካብ ዝጅመር ነቲ ቅልውላው ኣመልኪቱ ብዙሕ ግዜ ከምዝተኣከበ ዝዝከር ኮይኑ፡ ብፍላይ እቲ ኵናት ዘኸተሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ኣመልኪቱ ብዙሕ ግዜ’ዩ ተመያይጡ።
ብሓፈሻ ኵናት ካብ ዝጀመረሉ ኣትሒዙ ባይቶ ጸጥታ ብዛዕባ እቲ ቅልውላው ኣኼባ ክካይድ እዚ መበል 11 ግዚኡ እዩ።
ሮይተርስ ብዙሕ ዘይልሙድ ኢሉ ኣብ ዝገለጾ መግለጺ ባይቶ ጸጥታ፡ ኣባላት ንሓያሎ ሰዓታት ድሕሪ ምክታዕ፡ ኣብ መወዳእታ ምስ መርገጺ ናይ ሩስያ ዝሰማማዕ መግለጺ ከምዘውጸኡ ዲፕሎማሰኛታት ሓቢሮሙኒ ብምባል ጸብጻቡ ኣቕሪቡ።
ኣቐዲሙ ብዛዕባ ቅልውላው ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ዝነበረ ኣኼባታት፡ ቻይና ሩስያን እቲ ኵናት ውሽጣዊ ጉዳይ ናይ ኢትዮጵያ’ዩ ብምባል ስለዝቃወማ፡ ባይቶ ጸጥታ ዝኾነ ተሪር መርገጺ ከውጽእ ይኹን እገዳታት ክውሰን ከምዘይክኣል ሮይተርስ ገሊጹ።
ኣብተን ዓውዲ ናይ ኵናት ኮይነን ዘለዋ ክልላት ትግራይ፡ ዓፋርን ኣምሓራን ብሓፈሻ ልዕሊ ሸውዓት ሚልዮን ሰባት ተጸበይቲ ህጹጽ ሰብኣዊ ሓገዛት ኮይኖም ከምዘለዉን ካብኦም እቶም ሓሙሽተ ሚልዮን ካብ ክልል ትግራይ እዮም።
ብዘይካ እዚ ኣብ ክልል ትግራይ 400 ሽሕ ከቢድ ሓደጋ ዓጸቦ ኣንጸላልይዎም ከምዘሎ ጸብጻባት ትካላት ውሃብቲ ረድኤት ይሕብሩ።