ሩስያ 20 ዲፕሎማት ቼክ ሪፐብሊክ ሰጒጓ

Published

ሩሲያ 20 ዲፕሎማት ቼክ ሪፐብሊክ ካብ ሃገራ ከም እትሰጉግ ኣፍሊጣ።

ብቐዳም፡ ቼክ ሪፐብሊክ 18 ሩሲያውያን ዲፕሎማት ካብ ሃገራ ከም ዝሰጎገት ይዝከር።

ሰብ መዚ ስለያ ቼክ እቶም ዲፕሎማት ሰለይቲ ሩሲያ'ዮም ብምባል ይኸሱዎም። ኣብቲ ኣብ 2014 ኣብ መኽዝን ኣጽዋር ኣብ ዘጋጠመ ነትጒ ኢድ ኣለዎም'ውን ኢሎም።

ሎሚ ሰኑይ ሚኒስትራት ሕብረት ኤውሮጳ ኣብዚ ጉዳይ ክዛተዩ'ዮም።

ሩሲያ፡ ዲፕሎማት ቼክ ሪፐብሊክ ጠቕሊሎም ካብ ሃገራት ክወጽኡ ሓደ መዓልቲ ክትህቦም እንከላ፡ ቼክ ብወገና እቶም ሩሲያውያን ኣብ ውሽጢ 72 ሰዓታት ክወጽኡላ መምርሒ ሂባ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ሩሲያ ንውሳነ ቼክ ሪፐብሊክ "ተራእዩ ዘይፈልጥን ጻሕታሪ ነገርን" ክብል ገሊጹዎ።

"ኣብ ቀረባ ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ እገዳታት ምንባራ መበገሱ ብምግባርን ንኣመሪካ ከሐጉሱ ካብ ዘለዎም ድልየትን ሰብ መዚ ቼክ ነዚ ተግባር ፈጺሞም ኣለው" ይብል መግለጺ እቲ ሚኒስትሪ።

ንምዃኑ እንታይ'ዩ ኣጋጢሙ?

ሰብ መዚ ቼክ ከም ዝብሉዎ ዲፕሎማት ሩሲያ ናይ ድሕነት ሰባት'ዮም።

ሩሲያ ድማ ነዚ ክሲ ስኑዕን መደናገርን ብምባል ትነጽጎ።

ኣብ 2014 ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ቼክ ሪፐብሊክ ኣብ ዝርከብ ሓደ መኽዝን ኣጽዋር ብዝበጽሐ ነትጒ፡ እቲ መኽዝን ካብ ጥቕሚ ወጻኢ ኮይኑ።

ኣብ ልዕሊ'ዚ ኣብ ውሽጢ ጫካ ቭርቢቲች ዝነበረ መኽዝን ዝበጽሐ ነትጒ ኣብቲ ከባቢ ዝነብሮ ሰባት ኣብ ኣባይቶም ጉድኣት ኣብጺሑ።

ድሕሪ ሓደ ወርሒ፡ ኣስክሬን ኣብቲ መኽዝን ዝሰርሕ ዝነበረ ሓደ ወዲ 56 ዓመት ውልቀሰብን ካልእ ወዲ 69 ዓመት ውልቀሰብ ተረኺቡ።

ሽዑ፡ እቲ ሓደጋ ሃንደበታዊ'ዩ እኳ እንተተባህለ፡ ሰብ መዚ ቼክ መርመራ ምስ ገበሩ ግን ናብ ሩሲያ ክጥቁሙ ጀሚሮም።

ፖሊስ ቼክ፡ ኣሌክሳንደር ሚሽኪንን ኣናቶሊ ቼፒጎቭን ዝተባህሉ ክልተ ሩሲያውያን ኣብቲ ዘጋጠመ ሓደጋ ኢድ ኣለዎም ክብል ገሊጹ ነይሩ።

ፖሊስ፡ ናይ ጽሑፍ መልእኽታት ነቲ መኽዝን ዘመሓድር ዝነበረ ኩባኒያ ኣይሜክ ግሩፕ ምስ ርኣየ፡ ፓስፖርት እዞም ክልተ ውልቀሰባት ረኺቡ።

እቲ ኢሜይል፡ እዞም ውልቀሰባት ፍቓድ ክወሃቦም እሞ ኣብቲ መኽዝን ተረኺቦም መርመራ ክገብሩ ይሓትት።

እዞም ሰባት ኣብ ዝልኣኹዎ ኢሜይል ግን ሽሞምን ዜግነቶምን ተቐይሩ'ዩ።

ክልቲኦም ኣብ ኢንግሊዝ ሓደ ሰላይ ሩሲያ ዝነበረ ውልቀሰብ ብምስማም ተጠርጢሮም ዝነበሩ'ዮም።

ቼክ ሪፐብሊክ ከኣ ክሲ እዞም ዝጠርጠረቶም ውልቀሰባት ናብ ሕብረት ኤውሮጳን ኔቶን ከተቕርቦ ተዳልያ ኣላ።

ሚኒስትሪ ጉዳይ ወጻኢ ኣመሪካ ኣብ ጎኒ ቼክ ከም ዝኾነ ኣፍሊጡ ኣሎ።

ኣመሪካ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ልዕሊ ሩሲያ እገዳታት ብምንባር 10 ሩሲያውያን ዲፕሎማታ ካብ ሃገራ ክወጽኡ ኣዚዛ'ያ።