ጂተንደር ማን ጎጊ፡ ህንዳዊ ወሮበላ ኣብ ቤት-ፍርዲ ብዝተተኮሰ ጥይት ተቐቲሉ

Published

ዕሉል ህንዳዊ ወሮበላ፡ ኣብ ከተማ ደልሂ ናብ ቤት-ፍርዲ ጠበቓታት መሲሎም ብዝቐረቡ ክልተ ውልቀሰባት ብዝተኮስዎ ጥይት ተቐቲሉ።

እቲ ጂተንደር ማን ጎጊ ዝበሃል ዕሉል ወረበላ፡ ኣብ ቤት-ፍርዲ ሮሂኒ ዝቐረበሉ ክሲ እናተኸታተለ ከሎ'ዩ፡ እቶም ክልተ ውልቀሰባት ኣብ ልዕሊኡ ተኹሲ ከፊቶም።

ፖሊስ ሽዑ ንሽዑ ነቶም ክልተ ውልቀሰባት ተኲሱ ከምዝቐተሎም፡ ሰብመዚ እታ ሃገር ገሊፆም።

ፖሊስ፡ እቲ መጥቃዕቲ ብመናሓንሕቲ ጉጅለ ዝተወሃሃደ ክኸውን ከምዝኽእል ሓቢሩ።

እቲ ቀንዲ ተደላይ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ፖሊስ ደልሂ ሰፊሩ ዝነበረ ጎጊ፡ ኣብ ካልኦት ግዝኣታት ድማ ብቅትለት፣ ጭውያን ምትላልን ሓዊሱ ብዓሰርተታት ዝቑፀሩ ገበናት ተኸሲሱ ኔሩ።

እዚ ፍፃመ፡ ኣብ መሓውር ፀጥታ ኣብያተ-ፍርዲ ደልሂ ሕቶ ኣልዒሉ ኣሎ።

ሓደ ላዕለዋይ ፖለቲከኛ እታ ሃገር፡ እዚ ፍፃመ ኣብ ትልሚ ሓለዋ ፀጥታ ረዚን ውድቀት ከምዘሎ ዘርእይ እዩ ኢሉ።

ጎጊ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ብቅትለትን ገንዘብ ንምርካብ ብምፍርራሕን ብዝብል ክሲ'ዩ ተኣሲሩ።

ሰብመዚ እታ ሃገር፡ ጎጊ፡ ኣብ ገበን ዓለም ብቕልጡፍ ብምግናኑ፡ ብብዙሓት መነሓንሕቲ ጉጅለታት ዒላማ ኮይኑ ከምዝነበረ ገሊፆም።

ጂተንደር ማን ጎጊ፡ ገና መንእሰይ እንከሎ'ዩ፡ መኪና ብሓይሊ ብምስራቕን ብሌብነትን፡ ናይ ገበን ስርሑ ኣሃዱ ኢሉ ዝጀመረ።

ደሓር ግና፡ ኣብ ግዝኣት ሃርያና ንዝተፈፀመ ቅትለት ህቡብ ድምፃዊ ሓዊሱ፡ ኣብ ቅትለት ፍሉጣት ሰባት ቀንዲ ተጠርጣሪ ኮይኑ ኔሩ።