እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኒው ዚላንድ፡ ናብ ሱፐርማርኬት ብምእታው ንብዙሓት ብካራ ዝወግአ ውልቀሰብ ተቐቲሉ
ፖሊስ ኒው ዚላንድ ኣብ ልዕሊ ኣብ ከተማ ኦክላንድ ናብ ዝርከብ ሱፐርማርኬት ኣትዩ ንብዙሓት ሰባት ብካራ ዝወግአ "ሕሉፍ ኣኽራሪ" ዝተባህለ ውልቀሰብ ድሕሪ ምትኳሶም እቲ ውልቀሰብ ሞይቱ።
እቲ ውልቀሰብ ናብቲ ሱፐር ማርኬት ብመእታው ንሽዱሽተ ሰባት ብካራ ከም ዝወግአ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ቀዳመይቲ ሚኒስትር ጃሲንዳ ኣርዴርን ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ እቲ ፍጻመ ብስሪላንካዊ ኣብ ትሕቲ ክትትል ዝጸንሐ ውልቀሰብ ዝተፈጸመ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ" እዩ ኢላ።
እዚ ሽሙ ዘይተጠቕሰ ውልቀሰብ ልኡኽ እስላማዊ ጉጅለ ራዕዲ ዘለዎ'ዩ ተባሂሉ።
ፖሊስ ኣብ ውሽጢ 60 ካልኦታት ከም ዝቐተሎ ድማ እታ ቀዳመይቲ ሚኒስትር ኣፍሊጣ።
"እቲ ሎሚ ዘጋጠመ ነገር ፉንፉን፣ ግጉይን ዘጽልእን'ዩ" ነይሩ ክትብል ገሊጻቶ።
እቲ ንግዝኡ መንነቱ ክግለጽ ዘይተደለየ ውልቀሰብ፡ ብጥቅምቲ 2011 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ኤውሮጳ] ናብታ ሃገር ከም ዝመጽአን ብ2016 ዓ.ም ድማ ኣብ ዓይኒ ክትትል ሃገራዊ ድሕነት ዝኣተወ ሰብ ከም ዝኾነ ተዛሪባ።
ብምኽንያት ኣተሓሳስብኡ፡ ብቐጻሊ ኣብ ትሕቲ ቑጽጽርን ጽዑቕ ክትትልን ከም ዝነበረ'ውን ሓቢራ።
ይኹን'ምበር ስለ ምንታይ ቅድሚ ኣብ ልዕሊ ሽዱሽተ ሰባት ጉድኣት ቅድሚ ምብጽሑ ስጉምቲ ዘይተወስደ ዝብል ሕቶ ቐሪቡ።
"እቲ ሓቂ፡ ሓደ ሰብ ን27 ሰዓታት ክትከታተሎ እንከለኻ ወትሩ ኣብ ጥቕኡ ክትከውን ኣይክኣልን። ሰራሕተኛታት ከኣ ክንዲ ዝኽኣልዎ ቐልጢፎም ብምኻድ ተወሳኺ ሓደጋ ከይበጽሕ ገይሮም'ዮም" ክብል ኮሚሽነር ፖሊስ ኣንድሪው ኮስተር ተዛሪቡ።
ሓደ ምስክር ዓይኒ ድማ ነቲ ኩነታት ጽላለ ክብል ገሊጹዎ።
ንሱ 'ስታፍ ኤንዜድ' ንዝተባህለ ማዕኸን ዜና ኣብ ዝሃቦ ቃል ሓደ ተወጊኡ ኣብ መሬት ዝወደቐ ብዕድመ ዝደፍአ ሰብኣይ ከም ዝርኣየ ተዛሪቡ።
ኣብ ኢንተርነት ዝተዘርግሑ ምስሊታት ድማ፡ ዓማዊል ካብቲ ኣብ ኒው ሊን ዝርከብ ዓብዪ ማእከል ሊን-ሞል ብፍርሒ እናተጓየዩ ክወጽኡ የርእዩ።
ጸብጻባት እታ ሃገር ሽዱሽተ ግዳያት ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወስዱ፣ ሰለስተ ኣብ ጽኑዕ ኩነታት ከም ዝርከቡን ሓደ ኣብ ከቢድ ኩነታት፣ ክልተ ድማ ኣብ ማእከላይ ኩነታት ከም ዝርከቡ ይሕብሩ።
እቲ ቲም ዝተባህለ ምስክር ዓይኒ እቲ መጥቀዕቲ ዘብጽሐ ውልቀሰብ ቅድሚ ምሟቱ ንብዙሓት ሰባት ዝወግአሉ ኩነታት ጽላለ'ዩ ብምባል ክገልጾ እንከሎ "ሰባት እናጎየዩ ይወጽኡ ነይሮም፤ ፈሪሖም . . . የእውዩ ነይሮም" ኢሉ።
ብ2019፡ ኒው ዚላንድ ኣዝዩ ዘስካሕክሕ እትብሎ ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ በጺሑዋ ነይሩ።
እዚ ኣብ ክሪስትቸርች ኣብ ልዕሊ ክልተ መሳጊድ ዝነበሩ ኣመንቲ ዝተፈጸመ ኮይኑ፡ ሓደ ሕሉፍ ጻዕዳ 51 ሰባት ከም ዝቐተለ ይዝከር።