እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ርዋንዳዊ ኮኾብ ሙዚቃ ሂፕሆፕ ጀይ ፖሊ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ሞይቱ
ሓደ ካብ ኣዝዮም ፍሉጣት ራፐራት ርዋንዳ ዝኾነ ጀይ ፖሊ ኣብ መበል 33 ዓመቱ ኣብ ሆስፒታል ኪጋሊ ህይወቱ ሓሊፉ።
እቲ ሙዚቀኛ ብዕጸ ፋርስ ተኸሲሱ ኣብ ማእሰርቲ ኮይኑ ፍርዱ ክኸታተል ዝጸንሐ ኮይኑ ብሓሙስ ናብ ሆስፒታል ተወሲዱ።
ነቲ ቤት ማእሰርቲ ዘካይዶ ኣገልግሎት ተሃድሶ ርዋንዳ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እቲ ሙዚቀኛ ሜታኖልን ዝተባህለ መምከኒ ምስ ሽኮርን ማይን ወሲኹ ድሕሪ ምስታዩ ናብ ሆስፒታል ከም ዝተወሰደ ሓቢሩ።
ጀይ ፖሊ ንቀይድታት ኮቪድ-19 ብምጥሓስ ኣብ ገዝኡ ፓርቲ ድሕሪ ምግባሩ እዩ ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ተኣሲሩ።
ሓው፡ ማውሪስ ኡዌራ ኣገልግሎት ተሃድሶ ርዋንዳ ዝኾነ ዝርዝራት ከይሃበ ጀይ ከም ዝሞተ ከም ዝሓበሮ ተዛሪቡ።
ኣብ ናይሮቢ ኬንያ እትርከብ ዓርኩ ኬሲ ካዮንጋ ንቢቢሲ ኣብ ዝሃበቶ ርእይቶ ምስቲ ኮኾብ ናይ ነዊሕ ትልሚ ከም ዝነበሮም ገሊጻ።
"ኣዝየ'የ ጉህየ፤ ናብ ርዋንዳ ክሳዕ ዝበጽሕን ብዓይነይ ዝርእዮን ክኣምን ኣይካልኩን። ዝኾነ ምስ ጀይ ፖሊ ዝተራኸበን ምስኡ ዝነበረን ሰብ፡ ብፍቕሩ፣ ብሕያውነቱን ብፍሽኽትኡን ክዝክሮ'ዩ" ኢላ።
ብዙሓት ርዋንዳውያን ኣድነቕቱ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ሓዘኖም ይገልጹ ኣለው።