እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ብሪጣንያ ብዘጋጠመ መጥቃዕቲ ካራ፡ ሰለስተ ሰባት ሞይቶም
ኣብ ብሪጣንያ፡ ሪዲንግ ኣብ እትበሃል ከተማ፡ ሰለስተ ሰባት ብካራ ተወጊኦም ክመውቱ እንከለዉ፡ ካልኦት ሰለስተ ድማ ከምዝቖሰሉ ፖሊስ ገሊጹ።
ፖሊስ፡ ነቲ መጥቃዕቲ ከምዝፈጸመ ንዝጠርጠሮ ወዲ 25 ዓመት ኣብቲ ቦታ ኣብ ቀይዲ ኣእትዩዎ።
ከተማ ሪዲንግ፡ ካብ ለንደን ኣስታት 60 ኪሜ ዝትርሕቕ ኮይና፡ እቲ መጥቃዕቲ ፎርቡሪ ኣብ ዝበሃል መናፈሻ እዩ ኣጋጢሙ።
ፖሊስ ነዚ መጥቃዕቲ ከም ግብረ ሽበራ እኳ እንተዘይረኣይዎ፡ ጸረ ግብረሽበራ ፖሊስ ግን ኣብቲ ቦታ ተዋፊሮም ኣለዉ።
ምንጭታት ንቢቢሲ ከምዝገለጽዎ፡ እቲ ነቲ መጥቃዕቲ ብምፍጻም ተጠርጢሩ ዝተኣሰረ ሰብ፡ ሊብያዊ እዩ።
ሓላፊ ፖሊስ ናይቲ ከባቢ፡ ኣብዚ መጥቃዕቲ ተሳቲፉ ብዝብል ዝጥርጥሮን ዝደልዮን ካልእ ሰብ ከምዘየለ ገሊጹ'ሎ።
"ኣብዚ እዋን፡ ነዚ ፍጻመ ከም ግብረ ሽበራዊ መጥቃዕቲ ኣይሓዝናዮን ዘለና። እንተኾነ፡ ነዚ ፍጻመ እንታይ እዩ ኣበጊስዎ ዝብል ንምፍላጥ ዕጹው ኣይገበርናዮን። ካብ ክፍሊ ጸረ-ሽበራ ዝመጹ መሳርሕትና'ውን ይሕግዙና ኣለዉ እዮም" ኢሉ ፖሊስ።
ነቲ መጥቃዕቲ ብሞባይሎም ዝሰኣሉ ሰባት መረዳእታ ክህቡ'ውን ፖሊስ ሓቲቱ።
"ምእንተ ኽብሪ እቶም ግዳያትን ስድረኦምን" ነቲ መጥቃዕቲ ዘርእዩ ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ከይዝርግሑ'ውን ፖሊስ ተማሕጺኑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን፡ በቲ ተግባር ከምዝሓዘነ ብምግላጽ ንስድራ ግዳያት "ጽንዓት ይሃብኩም" ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ላውረንስ ዎርት ዝበሃል ወዲ 20 ዓመት መንእሰይ፡ እቲ መጥቃዕቲ ክፍጸም እንከሎ ኣብ 10 ሜትሮ ርሕቐት ኮይኑ ከምዝረኣየ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
"እቲ መናፈሻ ዳርጋ መሊኡ እዩ ነይሩ። ብዙሓት ሰባት ምስ መሓዙቶም ኮይኖም እናሰተዩ ይጻወቱ ነይሮም። ሃንደበት ሓደ ሰብ በይኑ መጺኡ፡ ገለ ዘይስማዕ ነገራት ዓው ኢሉ ድሕሪ ምዝራብ ነቶም ተኣኪቦም ዝነበሩ ሰባት ክወግኦም ጀሚሩ" ኢሉ።
"ንሰለስተ ሰባት ምስወግአ ናባይ ገጹ እናጎየየ ክመጽእ ጀሚሩ፡ ንሕና ድማ ሃዲምና" ኢሉ።
ንዓኣቶም ከርክበሎም ከምዘይክእል ምስፈለጠ፡ ንኻልኦት ሰባት ክወግእ ከምዝጀመረን ጸኒሑ ካብቲ መናፈሻ ክሃድም ከምዝፈተነን፡ እቲ ናይ ዓይኒ ምስክር ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
ቅድሚ እቲ መጥቃዕቲ፡ ቅድሚ ሰዓታት፡ ንመሰል ጸለምቲ ዝሕለቑ ሰባት ኣብቲ ቦታ ናይ ተቓውሞ ሰልፊ ኣካይዶም ነይሮም እዮም።
ሓንቲ ካብ ኣወሃሀድቲ እቲ ሰልፊ፡ ሰልፈኛታት ቅድሚ እቲ ፍጻመ ከምዝተበተኑን፡ ካብቶም ሰልፈኛታት በቲ መጥቃዕቲ ዝተጎድአ ዘይምህላዉን ገሊጻ።