ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ኣብ ሓለውኡ ዝተኻየደ ለውጢ ንውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱ ምዃኑ ነቒፉ

Published

ምክትል ፕረዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶን ንብረቱን ብ257 ኣባላት ፖሊስ ሓለዋ ከምዝግበረሎም መንግስቲ ገሊጹ።

ጸሓፊ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ንፓርላመንታዊ ኮሚተ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ፡ ኣብ መንበሪ ናይቲ ምክትል ፕረዚደንት ዝተገብረ ምቅይያር "ልሙድ" ምዃኑ ሓቢሩ።

ፍረድ ማትያንጊ ከምዝበሎ፡ 74 ካብቶም ሓለውቲ፡ ኣባላት ፍሉይ ኣሃዱ ሓለዋ ፕረዚደንት ምዃኖም ጠቒሱ።

ካልኦት ኣርባዕተ ኣባላት ድማ፡ ነቲ ብዊልያም ሩቶ ዝውነን መራብሒ ደራሁ ዝሕልዉ እዮም።

ገሊኦም ድማ፡ ነተን ኣብ መዕርፎ ነፈርቲ ዝርከባ ክልተ ሄሊኮፕተራት ናይቲ ምክትል ፕረዚደንት ሓለዋ ዝገብሩ ምዃኖም እቲ ብዓልስልጣን ሓቢሩ።

ብሰንኪ'ቲ ሕሉፍ ዝመስል ሓለዋ ዝተኻየደ ለውጥታት፡ ንጸጥታዊ ውሕስነቱ ኣብ ሓደጋ ዘእቱን ፖለቲካዊ ሃቐነ ዘለዎን'ዩ ክብል ምክትል ፕረዚደንት ሩቶን ደገፍቱን ነቒፎም።

"ብኣንጻር ናይቲ ዝቐርብ ዘሎ ክስታትን እቲ ቀሪቡ ዘሎ መርትዖታትን፡ ክቡር ምክትል ፕረዚደንት፡ ምስ ካልኦት መዘናኡ ክረአ እንከሎ፡ ኣብ ታሪኽ እታ ሃገር እቲ ዝዓበየ ሓለዋ ዝግበረሉ እዩ" ክብል እቲ ብዓልስልጣን ውሽጣዊ ጉዳያት ተዛሪቡ።

እቲ ዝወጸ ሓበሬታ፡ ነቲ ዊልያም ሩቶ ዝልለየሉ፡ "ዘይግድሶ" ተጣባቒ ድኻታት ዝብል ስም፡ ዘህስስ ምዃኑ ተዓዘብቲ ይገልጹ።

ምስ ፕረዚደንት ኡሁሩ ኬንያታ ዝነበሮ ጥቡቕ ዝምድና ከምዝዛሕተለ ይፍለጥ። ተዓዘብቲ ከምዝብልዎ፡ እቲ ምኽንያት ፕረዚደንት ኬንያታ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዕድመ ስልጣኑ ምስ ኣብቀዐ ክትክኦ ንዝነበሮም ውዕል ብምፍራሱ'ዩ።

ኬንያታ፡ እቲ ቅድሚ ሕጂ ተቐናቓኒኡ ዝነበረን ሕጂ ዝቐረቦን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ራይላ ኦዲንጋ ክትክኦ ከምዝደሊ ይንገር።

ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ እቲ ምክትል ፕረዚደንት ደጋፍን ነቓፍን መንግስቲ ክኸውን ስለዘይክእል ካብ ስልጣኑ ክወርድ ፕረዚደንት ኬንያ ተማሕጺንዎ ነይሩ።

ብመሰረት ቅዋም ኬንያ፡ ምክትል ፕረዚደንት ቅዋማዊ ስልጣን ብምዃኑ ብፕረዚደንት ካብ ስልጣኑ ክእለ ኣይክእልን'ዩ።