እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረፃ ኬንያ፡ ኬንያ ነታ ሃገር ንምምራሕ ቃለ-ማሕላ ፈፂሙ
ኡህሩ ኬንያታ፡ ኣብ ከተማ ናይሮቢ ኣብ ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ማሕላ፡ ፕረዚዴንት ኬኒያ ኮይኖም ንካልኣይ ግዜ ቃለ መሓላ ፈጺሞም።
እቲ ስነ ስርዓት ቃለ መሓላ ብዙሓት ደገፍቲ ኬንያታ ኣብ ዝተሳተፉዎ ኣብ ስታድዩም ናይሮቢ እዩ ተኻይዱ።
ፖሊስ እታ ከተማ ብደገፍቲ ተቓዋሚ ራይላ ኦዲንጋ ዝተኻየደ ሰልፊ ንምክልኻል፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት እታ ከተማ ተመዲቡ'ዩ።
ኣብቲ ቀዳማይ ምርጫ ተወዳዳሪ ፕረዚደንት ኬንያታ፡ ራይላ ኦዲንጋ፡ ኬንያታ ሕጋዊ ብዝኾነ መንገዲ ኣይተመረጸን ብምባል ናብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር ጥርዓን ብምቕራብ እቲ ውጽኢት ከምዝስረዝ ድሕሪ ምግባር ኣብቲ ካልኣይ ምርጫ ግን ኣይተሳተፈን። ሎሚ ከኣ ንመሓላ ፕረዚደን ኡሁሩ ኬንያታ ሓጪጩሉ።
ኡሁሩ ብ26 ጥቅምቲ ኣብ ዝተኻደ ዳግማይ መረጻ፡ ብ98 ሚኢታዊት ድምጺ ተዓዊቱ'ዩ።
ኣብቲ ስታዲየም ዝነበረ ሃዋህው እንታይ'ዩ?
ኣብ ዙርያ ስታዲየም ስፖርት ካሳራኒ፡ ኣብ ውሽጢ እቲ ስታዲየም መቐመጢ ዘይረኸቡ ሰባት፡ ዘርኣይዎ ምንቅስቓስ ረበሻ ስዒቡ፡ መንብዒ ጋዝ ብምጥቃም ከምዝእለዩ ተገይሩ'ዩ።
እቲ ፕረዚደንት ቃለ መሓላ ኣብ ዝፍጽመሉ እዋን፡ ብዙሓት ብቐጥታ ክዕዘቡ ዓብዪ ስክሪን ክግጠም'ዩ ዝብል ቃል ምንባሩ ማዕኸን ዝና ኤኤፍፒ ጸብጺቡ'ዩ።
"ኣነ ንዕኡ ኢለ ስለዝመጻእኹ፡ ቃለ መሓላ እንትፍጽም ክርኢ ባህጊ ነይሩኒ" ትብል ካብ ሞንጎ እቶም ምርኣይ ምጽጋሞም ስዒቡ ዝተቖጥዑ እኩባት። "ንምንታይ ኢና ተወቒዕና?" ብምባል'ውን ትሓትት።
ኣብ ውሽጢ እቲ ስታዲየም ግና፡ ሰበ ስልጣን ሃገራት ወጻኢ፡ ብዝተረጋግአ መንፈስ፡ ሙዚቃዊ ምርኢትን ወተሃደራዊ ሰልፍን ይቐርበሎም ነይሩ።
ካብ ከተማ ሪፍት ቫሊ ሙሉእ ለይቲ ተጓዒዙ ኣብ በዓል ቃለ ማሕላ ኬኒያታ ዘርከበ ነጋዳይ ኡኒስ ጃርቦን፡ ንማዕከን ዜና ሮይተርስ ከምዝበሎ፡ ኬኒያታ ህዝቢ እታ ሃገር ናብ ሓደ ብምዕሳል ብሓደ ክሰርሑ ከምዝገብር ይኣምን።
ቐዳማይ ሚኒስትር ኢትዮጵያ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሩዋንዳ ፖል ካጋሜን ካብ ሞንጎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪካ ነይሮም።
መረጻ ኬኒያ ንምንታይ ንካልኣይ ግዘ ተኻይዱ?
ሓላፊ ፍትሒ ዴቪድ ማራጋ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ነሓሰ ዝተኻየደ መረጻ፡ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ዝሓለወ ኣይነበረን፤ ስለዝኾነ፡ ተቐባልነት የብሉን ተባሂሉ ተሰሪዙ።
"እቲ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ፡ ዉጽኢት እቲ መረጻ ተኣማንን ምርግጋጽ ዝከኣልን ኮይኑ ኣይረኸቦን።"
ይኹን'ምበር፡ ካብቲ ኣብ ፈለማ ዝተኻየደ መረጻ ዝተገበረ ለዉጢ የለን ብዝብል፤ ተወዳዳሪ ራይላ ኦዲንጋ፡ ደገፍቱ ንካልኣይ ግዜ ዝተኻየደ መረጻ ከምዝእድሙ ገይሩ።
ኣብ ወርሒ ነሓሰ ካብ ዝተኻየደ ምርጫዊ መስርሕ ኣብ ዝተኻየደ ጎንጺ ጀሚሩ ከሳብ ሐጂ 50 ሰባት ከምዝሞቱ ሓበሬታ ወኪል ቢቢሲ የመልክት።
ተቓወምቲ ዝሃቡዎ ምላሽ እንታይ ይመስል?
ኦዲንጋ፡ እቶም ብምኽንያት ጎንጺ ዝሞቱ ሰባት ንምዝካር፡ ኣብ ካልእ ክፋል ናይሮቢ፡ ናይ ባዕሉ በዓለ-ሽመት ከምዘካይድ ተዛሪቡ'ዩ።
ኣብቲ ጽዑቕ ተቓዉሞ ዝርኣየሉ ኸባቢ ኪስሙ፡ ዝርከቡ ሰባት በቲ ዝነበረ በዓለ-ሽመት ሕጉሳት ከምዘይኮኑ ንቢቢሲ ቃሎም ሂቦም።
"ሕጉስ'ኳ እንተዘይኮንኩ፤ እቲ ዝኮነ ነገር ብሰለማዊ መንገዲ ክቅበሎ'የ" ክብል ሓደ ወሃቢ ርኢቶ ስምዒቱ ገሊጹ።
"ኬንያታ ፍትሓዊ ዘይኮነ ዓወት'ዩ ረኺቡ። እቲ ዝሰፍሐ ክፋል ድምጺ ኣይተዉሃቦን፤ ኪስሙ ካብተን ዘይመረጻ'ያ" ክትብል'ዉን ሓንቲ ርኢቶኣ ሂባ።
ኡሁሩ ኬንያታ መን እዪ?
•ብ1961 ኣብ ኬንያ ተወሊዱ
•እቲ ዝናኣሰ ናይ ኬንያ ፕረዚደንት'ዩ
•ኣባል ሰልፊ ጁብሊ ኬንያ
•ንርእሱ 'ዲጂታል ፕረዚደንት' ኢሉ ይሰሚ (ኣብ ማሕበራዊ መራኸታት ስለዝጥቀም)
•ኣብ 2013 ፕረዚደንት ኮይኑ ተመሪጹ
•ኣብቲ ናይ 2007 ምርጫ ኣንጻር ደገፍቲ ራይላ ኦዲንጋ መጥቃዕትታት ወዲብካ ተባሂሉ ተኸሲሱ ነይሩ
•ነቲ ክሲ ናይ ምዕራባውያን ውዲት'ዩ ብምባል ይነጽጎ
•ኣብ ኣሜሪካ ብፓለቲካዊ ስነ-ፍልጠትን ስነ-ቁጠባን ተማሂሩ
•ወዲ እቲ ናይ ኬንያ ቀዳማይ ፕረዚደንት ዝነበረ ጆሞ ኬንያታ እዩ
•ኣቦ 3 ቆልዑት'ዩ
•ብዓልቲ ቤቱ ድማ ማርጋረት ኬንያታ ትበሃል