እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ዝዛዘመ ግድብ ህዳሰ ንተርባይናት ከንቀሳቕስ ዝኽእል ማይ ምሓዙ ተገሊጹ
መንግስቲ ኢትዮጵያ እቲ ቅድሚ ክልተ ሰሙን ዝተጀመረ ካልኣይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ኣብ ህንጸት ዝርከብ ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ከም ዝተዛዘመ ወግዓዊ ገይሩ።
ኣብ ሩባ ኣባይ ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ህዳሰ ካልኣይ ዙር ማይ ምምልኡ ዘፍለጠ ሚንስተር ማይ፣ ጸዓትን መስኖን ኢንጂነር ስለሺ በቀለ “ኣዚየ ሕጉስ’የ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ ድልዮ መጠን ማይ ሒዙ’ሎ” ኢሉ።
ብወገን ሱዳንን ግብጽን ዝለዓለ ተቓውሞ ይስማዕ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ቅድሚ ክልተ ሰሙን [28 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ] ማይ ምምላእ ዝጀመረ ኮይኑ ኣብ መፋርቕ ወርሒ ነሓሰ ከም ዝተዛዘመ ተገሊጹ ነይሩ።
እንተኾነ ብምኽንያት ኣብታ ሃገር ዘሎ ዝለዓለ መጠን ማይ ክረምቲ ካብቲ ዝተትሓሉ እዋን ኣቐዲሙ መሊኡ’ሎ።
ነቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ብዝምልከት ናብ ግብጺ ደብዳበ ዝለኣኸ ሚንስተር ማይ፣ ጸዓትን መስኖን ኢንጂነር ስለሺ ኣብ ወርሒ ሓምለ 6.9 ሚልዮን ኪዩቢክ ሜትር ከምኡ’ውን ኣብ ወርሒ ነሓሰ ተመሳሳሊ መጠን ማይ ንምምላእ ውጥን ከም ዘለዎም ሓቢሩ ነይሩ።
ኣብዚ ሕዚ እዋን ከኣ ሓይሊ ከመንጭው ንዝኽእሉ ክልተ ተርባይናት ከንቀሳቕስ ዝኽእል መጠን ማይ ክሕዝ ከም ዝኸኣለ እቲ ሚንስትር ገሊጹ።
እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ከም ዝተዛዘመ ወግዓዊ ኣብ ዝተገበረሉ እዋን ብቐጥታዊ ፈነወ ቴሌቪዥን ኣብ ዝቐረበ ምድላው ዝመልአ ማይ ብዝባን እቲ መንደቕ ክፈስስ ተራእዩ’ሎ።
ኢትዮጵያ ብ5 ቢልዮን ዶላር ወጻኢ ኣብ ዝሓለፉ 10 ዓመታት ንህንጸት ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ክተካይድ ጺኒሓ’ላ።
ምስተዛዘመ ከኣ ኣዝዩ ብዙሕ ንዝኾነ ህዝቢ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ክህብ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ከም ዝኸውን ዝግለጽ ኮይኑ ኣብዚ እዋን 80 ሚኢታዊት ህንጸቱ ከም ዝተዛዘመን ንኻልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ስዒቡ ከኣ ብኸፊል ሓይሊ ምምንጫው ከም ዝጅምርን ይግለጽ።
ልዕሊ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ሓይሊ ኤሌክትሪክ ከም ዘመንጨው ዝዝረበሉ ግድብ ህዳሰ ምሉእ ብምሉእ ተዛዚሙ ኣገልግሎት ምሃብ ኣብ ዝጅምረሉ እዋን ንልዕሊ ፍርቂ ህዝቢ ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ንኢንዳስትሪታትን ጎረባብቲ ሃገራትን ሓይሊ ኤለክትሪክ ከቕርብ ተስፋ ኣሎ።
ኣብ ታሕተዋይ ተፋሰስ ዝርከብ ሱዳንን ግብጽን ንህንጸት እቲ ግድብ ክቃወማ ዝጸንሓ ኮይነን ኣብ ቀረባ እዋን ከኣ ክልትኤን ሃገራት ብዝገበርኦ ጸቕጢ ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ኣብ ጉዳይ እቲ ግድብ ከም ዝዘተየ ይዝከር።
እቲ ግድብ ንድሕነተን ከም ዘስግአን ዝገልጻ ሱዳንን ግብጽን መጠን ማየን ክንክይ ከም ዝገብር ብምሕባር ክካትዓ ካብ ምጽንሐን ብተወሳኺ ቀያዲ ስምምዕ ከይተገበረ እቲ ምምላእ ማይ ከይካየድ ተኻቲዐን’የን።
ክልቲኤን ሃገራት ቅድሚ ምምላእ እቲ ግድብ ኣብ ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና’ኳ እንተበላ ኢትዮጵያ ግን ህንጸቱ ኮነ ምምልኡ ኣብ ዝሓዘቶ ሰሌዳ ጊዜ እናተፈጸመ ልዝብ ምግባር ከም ዝከኣል ብተደጋጋሚ ክትገልጽ ጸኒሓ’ያ።
እቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝጸንሐ ተወንዚፉ ዘሎ ልዝብ ሰለስቲኤን ሃገራት ኣብ ቀረባ እዋን መሊሱ ከም ዝጅመር ትጽቢት ይግበር።
145 ሜትሮ ንቁመትን 1.8 ወርድን ዘለዎ ግድብ ህዳሰ 74 ቢልዮን ኪዩቢክ ሜትሮ ማይ ይሕዝ። ሓደ ሽሕን 680 ትርብዒት ሜትሮ ስፍሓት መሬት ከኣ ከም ዝህልዎ ይዝረብ።
መን እንታይ በለ?
ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ወግዓዊ ካብ ዝተገበረሉ ጊዜ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለዩ መዝነታት ዝርከቡ ሹመኛታት መንግስትን ካልኦት ኢትዮጵያውያንን ሓጎሶም ብማሕበራዊ መራኸብታት ኣብ ምግላጽ ይርከቡ።
ነቲ ግድብ ዘርእዩ ምስልታት ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ዝጠቀዐ ቀዳማይ ሚንስትር ኣብይ ኣሕመድ “ካልኣይ ምዕራፍ ምምላእ ማይ ብምዝዛሙ እንኳዕ ኣሐጎሰና” ዝብል መልእኽቲ ኣሕሊፉ።
ምኽትል ቀዳማይ ሚንስትርን ሚንስተር ጉዳያት ወጻኢን ደመቀ መኮነን ብወገኑ “እቲ ካልኣይ ዙር ምምላእ ብዓወት ስለ ዝተዛዘመ እንኳዕ ሓጎሰኩም” ክብል ኣብ ትዊተር ገሊጹ።
ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ወይሮ ኣዳነች ኣበቤ ከኣ “መላእ ህዝቢ ኢትዮጵያ፤ ኩልኹም ነበርቲ ከተማና ከምኡ’ውን ኣብ ምሉእ ዓለም እትርከቡ ደቂ ሃገረይ እንኳዕ ደስ በለኩም። ኢትዮጵያ ኣብ ጉዕዞ ህዳሰ እያ” ኢላ።
ሚንስተር ድኤታ ሚንስትሪ ገንዘብ ዶክተር እዮብ ተካልኝ “እዚ ዓብዪ እዩ። ኢትዮጵያ ብዙሓት ብድሆታት’ኳ እንተጋጠምዋ ናብ ግስጋስኣ ቀጺላ ኣላ” ክብል ገሊጹ።
ርእሰ ምምሕዳር ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ሽመልስ ኣብዲሳ ከኣ “ዓብዪ ግድብ ህዳሰ ኩርዓትና እዩ” ዝበለ ኮይኑ ብዙሓት ዜጋታትን ነጠፍቲ ማሕበራዊ ሚድያን እውን ብተመሳሳሊ መገዲ ታሕጓሶም ይገልጹ ኣለዉ።
ኢትዮ-ቴሌኮም ድማ ካብ ሞንጎ ነቲ ስምዒት ብማሕበራዊ መራኸቢ ዝገለጹ ትካላት ኢትዮጵያ ኮይኑ’ሎ።
ብፍላይ ትማሊ እቲ ምምላእ ወግዓዊ ክግበር ከሎ ነቲ ግድብ ዘርእዩ ብዙሓት ስእልታት ኣብ ማሕበራዊ መራኸብታት ክዘዋወሩ ውዒሎም ኣለዉ።