እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ግድብ ህዳሰ፡ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእ ቅድሚ ምጅማራ ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክረቑሓ ሓቲታ
ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙርያ ምምላእ ማይ ግድብ ህዳሰ ምጅማራ፡ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ምእንቲ ክከኣል: ግብጽን ሱዳንን ሰብ ሞያ ክመርጻ ሚኒስተር ማይ፣ መስኖን ጸዓትን ኢትዮጵያ ሓቲቱ፡፡
ሚኒስተር ስለሺ በቀለ (ዶ/ር፣ ኢንጂ.) ንሚኒስተራት ማይ እተን ሃገራት ኣብ ዝጸሓፎ ደብዳበ፡ እቲ ግድብ ኣብ ዝመጽእ ክረምቲ ማይ ስለዝምላእ፡ ቅድሚ ሕዚ ብዝተበጸሐ ስምምዕ መሰረት፡ ዘድሊ ሓበሬታ ንምልውዋጥ ሰብሞያ ሓርዮም ከፍልጡ ሓቲቱ፡፡
ኢትዮጵያ፡ እተን ሃገራት ኣብዚ ሰሙን ኣብ ኮንጎ ኪንሻሳ ዘካየድኦ ዘተ ብዘይ ፍረ ምስተበተነ ድሕሪ ቁሩብ መዓልቲታት እያ ነዚ ሕቶ ኣቕሪባ ዘላ፡፡
መግለጺ እታ ሃገር: ሰለስቲአን ዘይሻራዊ ብዝኾነ ብሄራዊ ጉጅለ ሳይንስ ኣቢለን ብዝተሰማመዐኦ መሰረት ብዝተቐመጠ ናይ ግዘ ሰሌዳ: ነቲ ግድብ ከምእትመልኦ ዝገለጸ ኮይኑ፡ እቲ ምምላእ ማይ ኣብ ወርሒ ሓምለን ነሓሰን ከምዝካየድን ከምኣድላይነቱ ክሳብ መስከረም ክቕጽል ከምዝኽእልን ኣመልኪቱ፡፡
ከይዲ ህንጸት እቲ ግድብን ማይ ዝምለአሉ ናይ ክረምቲ ወርሓት ቀሪቡ ከምዘሎ ብምጥቃስ፡ ኣብ ኣድላይነት ዝስርሑ ስራሕትን ሓበራዊ ጉዳያትን ዝምልከት እውን ኣብቲ ሚኒስትሪ ማይ፣ መስኖን ጻዓትን ኢትዮጵያ ዝጸሓፎ ደብዳበ ተገሊጹ እዩ፡፡
እተን ሃገራት መረዳእታ ንምልልውዋጥ ዝሕግዙ ሰብሞያ ምምራጸን፡ እቲ ብመንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘሎ ስሉሳዊ ዘተ መዕለቢ ክሳብ ዝረክብ፡ መረዳእታ ንምልውዋጥን ምትእምማን ንምፍጣርን ከምዝሕግዝ እቲ ሚኒስተር ጠቒሱ፡፡
ቅድም ክብል ግብጽን ሱዳንን፡ ኢትዮጵያ ቅድሚ ካልኣይ ዙር ምምላእ ማይ ምክያዳ ኣገዳዲ ስምምዕ ክፍርማ ከምዘለወን ዘቕረበኦ ሓሳብ፡ ኣይተቐበለቶን፡፡
ዘተ ኪንሻሳ ኣብ ዝሓለፈ ሰሉስ ብዘይ ስምምዕ ምስተዛዘመ፡ ኢትዮጵያ ምምላእ፣ ምሓዝን ምስዳድን ማይ እቲ ግድብ ዝምልከት ኣብ ስምምዕ ንምብጻሕ ድሉውቲ ከምዘኾነት እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ ሓቢሩ ነይሩ፡፡
ኮይኑ ግና ሱዳንን ግብጽን ‘‘እቲ ዘተ ናይ ኢትዮጵያ ብጽሒት ማይ ዝግድብን ኣለና ዝብልዎ ናይ ማይ ምቕሎ ዘጽንዕን ስምምዕ ክንበጽሕ ኣለና’’ ዝብል ቅዋም ብምሓዞም ኣብ ምርድዳእ ከምዘይተበጸሐ ገሊጹ፡፡
ናይቲ ካብ ዝጅመር ዓስራይ ዓመቱ ዘቑጸረ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ ማይ ምምላእን ቀጸልቲ ስራሕትን ብዝምልከት ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብጽን ንዓመታት ክካየድ ዝጸንሐ ድርድር ዛጊድ ፍረ ኣየፍረየን፡፡
እቲ ብሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዘተ፡ ቅድም ክብል ተወከልቲ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ኣዲስ ኣበባ፣ ካርቱም፣ ካይሮን ዋሺንግተንን ተራኺቦም ከካይድዎ ዝጸንሑ ኮይኑ፡ ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ንዝተወሰነ እዋን ድሕሪ ምቁራጹ ብኢንተርነት ኣቢሉ ቀጺሉ ነይሩ፡፡
እቲ ብኣስታት ሓሙሽተ ቢልዮን ዶላር ዝህነጽ ዘሎ ግድብ ክዛዘም 20 ምኢታዊት ዝተረፎ ኮይኑ፡ ምስተወደአ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ መፈልፈሊ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ክኸውን እዩ ተባሂሉ፡፡
ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ስራሕ ምስኣተወ 5 ሽሕ ሜጋ ዋት ኤሌክትሪክ ዘፈልፍል ግድብ ህዳሰ፡ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ፈላማይ ዙር ምምላእ ማይ ኣካይዱ እዩ፡፡
ሃገራት ግብጽን ሱዳንን ህንጸት እቲ ግድብ ኣብ ብጽሒት ማየን ኣሉታዊ ጽልዋ ከምዝፈጥር ብተደጋጋሚ እናገለጻ ጸኒሐን እየን፡፡
ፕረዚደንት ግብጺ ዓብዱል ፈታሕ ኣልሲሲ እውን በዚ ምኽንያት ‘‘ዝኸፈአ ከባብያዊ ጸገም’’ ክፍጠር ይኽእል እዩ ዝብል መጠንቀቕታ ምሃቡ ዝዝከር፡፡
ንሱ፡ ‘‘ማንም ካብ ግብጺ ንጣብ ማይ ክወስድ ኣይኽእልን፤ እዚ ምስዝኸውን ድማ ኣብቲ ከባቢ ሓደገኛ ኩነታት ክፍጠር እዩ’’ ኢሉ ነይሩ፡፡