እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፕረዚደንት ብራዚል ጃይር ቦልሶናሮ ብሰንኪ ዘየቋርጽ ሒቕታ ሆስፒታል ኣትዩ
ንዓሰርተ መዓልቲ ብዘየቋርጽ ሒቕታ ዝተጠቕዐ፡ ወዲ 66 ዓመት ፕረዚደንት ብራዚል ጃይር ቦልሶናሮ፡ ህጹጽ መጥባሕቲ ክጠልብ ከምዝኽእል ቤት ጽሕፈቱ ሓቢሩ።
እቲ መራሒ ናይ መዓንጣ ምርመራ ንምግባር ናብ ሳኦ ፖሎ ናብ ዝርከብ ሆስቲታል ዝዘዋወር ዘሎ ኮይኑ፡ ኣብ ትዊተር "ብፍቓድ ኣምላኽ፡ ኣብ ቀረባ ከምለስ እየ" ዝብል መልእኽቲ ጽሒፉ።
ኩነታት ጥዕና እቲ መራሒ የማናይ-ጸግዒ ውድብ፡ ኣብ 2018 ኣብ እዋን ጎስጓስ ምረጹኒ ኣብ መዓንጥኡ ብካራ ካብ ዝውጋእ ናብዚ፡ ኣሻቓሊ ኮይኑ ጸኒሑ።
በቲ መጥቃዕቲ ሓያል መጉዳእቲ ዝበጸሖ ቦልሶናሮ፡ 40 ምኢታዊት ደሙ ፈሲሱ ነይሩ፤ ድሕሪ እቲ ሓደጋ ድማ ብዙሓት መጥባሕቲታት ተገይሩሉ እዩ።
ትማሊ ረቡዕ ኣብ ብራዚልያ ናብ ዝርከብ ወታሃደራዊ ሆስፒታል ምስከደ፡ እቶም ሓካይም ካብ 24 ክሳብ 48 ሰዓታት ክትትል ከምዝግበረሉ ገሊጾም ነይሮም።
ኮይኑ ግና ካሊእ ሓኪሙ ናብ ሆስፒታል ሳኦ ፖሎ ክዘዋወር ከምዘለዎ ገሊጹ።
ወዱ ነቲ ፕረዚደንት ፍላቭዮ ድማ ንመጠንቀቕታ ተባሂሉ ኣብ ናይ ኣቡኡ ከብዲ ዝነበረ ፈሳሲ ክወጽእ ከምዝተገበረ ንሲኤንኤን ብራዚል ተዛሪቡ።
ብተወሳኺ ኣቡኡ ንምዝራብ ተጸጊሙ ከምዝነበረ ብምግላጽ መጥባሕቲ ዘድልዮ እንተዳኣ ኮይኑ ግን ከቢድ ክኾን ከምዘይብሉ ገሊጹ።
ፕረዚደንት ቦልሶናሮ ቅድም ኢሉ ኣብ ናይ ሆስፒታል ዓራት ደቂሱ ገመዳት ተተኺልዎን ሓደ ቀሺ ዝመስል ሰብኣይ ኣብ ጎኑ ጠጠው ኢሉን ዘርእይ ፎቶ ኣብ ትዊተር ለጢፉ ነይሩ።
ድሕሪ ናይ ክልተ ዓመትን ፈረቓን ኣዘራራቢ ጻንሒት መሪሕነቱ፡ ንኮሮናቫይረስ ብዝሓዘሉ ኣገባብ ዝወርዶ ጸቕጢ እናሓየለ ይመጽእ ኣሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ወርሒ ምስ ዕድጊት ክታበት ብዝተሓሓዝ፡ ተፈጺሙ ንዝተባህለ ብልሽውና ብምቅዋም ብኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ሰልፊ ተቓውሞ ኣካይዶም።
እቲ መራሒ፡ ነቲ ቅልውላው ሃገራዊ ግብረ መልሲ ብዘይምሃቡን ኣብ ክታበት፣ ዕጽዋን ምጥቃም መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ብዝነበሮ ጥርጣረን ክውቀስ ጸኒሑ እዩ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ቁጽሪ ብኮሮናቫይረስ ዝሞቱ ዜጋታታ ብራዚል ካብ 500 ሽሕ ዝሓለፈ ኾይኑ፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ቀጺላ ብዙሓት ሰባት በቲ ቫይረስ ዝሞቱዋ ሃገር እያ።