መንግስቲ ናይጀርያ ኣብታ ሃገር ትዊተር ዝጥቀሙ ሰባት ብሕጊ ከምዝሕተቱ ኣጠንቂቑ

Published

ናይጀርያ ኣብ ልዕሊ ማሕበታዊ መራኸቢ ትዊተር ንዘንበረቶ እገዳ ዝጥሕስ ዝኾነ ይኹን ሰብ ካብ ተሓታትነት ሕጊ ከምዘየምልጥ ወሃቢ ቓል መንግስቲ ንቢቢሲ ሓቢሩ።

ትዊተር ኣብታ ሃገር ኣገልግሎት ከይህብ ከምዝተገበረ መንግስቲ ናይጀርያ ብዓርቢ ወግዓዊ ምግባሩ ይፍለጥ።

ብድሕሪ’ቲ ውሳነ ድማ ተጠቀምቲ ትዊተር ነቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ብሞባይል ንኸይጥቀሙ ኔትወርክ ክዕጸው ተገይሩ። እንተኾነ ገለ ሰባት ነቲ እገዳ ብምጥሓስ ይጥቀሙ ኣለዉ ተባሂሉ።

ናይጀርያ ንትዊተር ክትእግድ ዝኸኣለት፤ ፕረዚደንት ሙሓማዱ ቡሃሪ ንመምርሒታት እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝጥሕስ ትሕዝቶ ጠቂዑ ብዝብል ነቲ ትሕዝቶ ምስኣለዮ እዩ።

ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣብ ዝጠቀዖ መልእኽቲ፡ ኣብ ደቡብ-ምብራቕ ክፋል እታ ሃገር ዘሎ ተፈንጫሊ [ናይ ምንጻል] ምንቅስቓስ ንምዕጋስ ነቲ ቅድሚ 40 ዓመታት ኣብታ ሃገር ተወሊዑ ዝነበረ ኲናት ሓድሕድ ጠቒሱ ከፈራርሕ ከምዝፈተነ ይግለጽ።

ትዊትር ነቲ ትሕዝቶ ምእላዩ “ዘቖጥዕ’ዩ” ዝበለ መንግስቲ ናይጀርያ እቲ ሕዚ “ንግዚኡ” ኣገልግሎቱ ክቋረጽ ዝተወሰነሉ ምኽንያት ግን በዚ ጥራሕ ከምዘይኮነ ሓቢሩ።

“ኣብዛ ሃገር ምስቲ ማሕበራዊ መራኸቢ ዝተሓሓዙ ጸገማት ነይሮም ’ዮም። ብኡ ኣቢሎም ዝፍነዉ ዘጋግዩ ሓበሬታታትን ስኑዓት ዜናታትን ብዙሕ ሳዕቤት’ዮም ኣኸቲሎም” ይብል መግለጺ መንግስቲ።

ትዊተር ብወገኑ፡ ሚንስተር ሓበሬታን ባህልን ላይ ሞሓመድ ብዓርቢ ነቲ እገዳ ኣመልኪቱ ዝሃቦ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ።

ውሳነ መንግስቲ ናይጀርያ ካብ ጉጅለታት ሰብኣዊ መሰላት ሰፊሕ ተቓውሞ ዝገጠሞ ኮይኑ፤ ኣብታ ሃገር ናጽነት ዘረባ ዝግድብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ወሃቢ ቓል መንግስቲ ኡማር ግዋንዱ፡ እቲ ውሳነ ንትካል ትዊትርን ኣብታ ሃገር ንዘለዉ ተጠቀምቲ እቲ ማሕበራዊ መራኸብን ከምዝምልከት ንቢቢሲ ሓቢሩ’ሎ።

እቲ ማሕበራዊ መራኸቢ “ሃይማኖታዊ፣ ዓሌታዊ፣ ጽልኢ ወጻእተኛታትን ስኑዓትን መልእኽትታት ክዝርግሑ” ከፍቅድ ምጽንሑ ዝገለጸ እቲ ወሃቢ ቓል “እዚ ድማ ንገለ ሃገራት ክበታትን ከምዝኽእል” ተዛሪቡ።

ኣብዚ እዋን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ሞባይል ዘቕርቡ ትካላት ሰባት ትዊተር ከይጥቀሙ ክገብሩ መምርሒ ከምዝተወሃቦም ተፈሊጡ’ሎ።