ናይጄርያ ትዊተር ንዘይተወሰነ እዋን ክትእግዶ ምዃና ኣፍሊጣ

Published

መንግስቲ ናይጀርያ ትዊተር ኣብታ ሃገር ንዘይተወሰነ ግዜ ከወንዝፎ ምዃኑ ሚኒስትር ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

እቲ ውሳነ “ትዊተር ብተደጋጋሚ ሃለዋት ናይጀርያ ዝፈታተን ንጥፈታት ይካየደሉ ስለ ዘሎ’ዩ" ተባሂሉ።

ትዊተር እቲ ትማሊ ዓርቢ ዝወጽአ መግለጺ “ኣዝዩ ዘሻቕል” ክብል ገሊጽዎ።

ትዊተር “ናይ ፕረዚደንት ናይጀርያ ሙሓመድ ቡሃሪ ጽሑፍ ሕግን ስሪትን ትካለይ ዝጠሓሰ እዩ” ብዝብል ካብ ገጽ ትዊተር ምስ ኣለዮ ድሕሪ ሒደት መዓልትታት ኣብ ዘሎ ግዜ መንግስቲ ናይጀርያ ንትዊተር ክእግዶ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እንተኾነ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብቲ ዝሃቦ መግለጺ ብዛዕባ እቲ ካብ ገጽ ትዊተር ዝተኣለየ ጽሑፍ ፕረዚደንት ቡሃሪ ኣይጠቐሰን።

ሚኒስትሪ ሓበሬታ ናይጀርያ ላይ መሓመድ ኣመሪካዊ ናይ ማሕበራዊ ሚድያ ኩባንያ ትዊተር ጽሑፍ ፕረዚደንት እታ ሃገር ዝተኣለየሉ መገዲ “ገጽ ረአ” ክብል ነቒፍዎ ነይሩ።

ትዊተር፡ ወዲ 78 ዓመት ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰነ ሓደ ኣብ 1967-70 ኣቆጻጽራ ኣውሮፓውያን ኣብታ ሃገር ኣጋጢሙ ንዝነበረ ኵናት ሓድሕድ ብምጥቃስ “እቶም ሎሚ ጸባይ ዘይገዝኡ ሰባት ብዝርድኦም ቋንቋ” ዝብል ትሕዝቶ ዝነበሮ ጽሑፍ እዩ ካብ ገጹ ኣሊይዎ።

ወሃቢ ቃል ትዊተር ኣብቲ ሽዑኡ እዋን “ፕረዚደንት መሓመድ ቡሃሪ ዝጠቕዖ ጽሑፍ ሕግን ስሪትን ትዊተር ዝጻባእ’ዩ” ክብል ኣፍሊጡ ነይሩ።

ኣብ ኣፍሪቃ ሓደሽቲ ኣብያተ ጽሕፈት ከምዝኸፍት ዘፍለጠ ትዊተር ናይ ምዕራብ ኣፍሪቃ ዋና ቤት ጽሕፈቱ ኣብ ጎረቤት ሃገር ጋና ክገብር ከም ዝኾነ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ብወግዒ ሓቢሩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ድማ ብዛዕባ እቲ ናይጀርያ እትሓስቦ ዘላ እገዳ ይምርምሮ ከም ዘሎን እኹል ሓበሬታ ምስ ኣከበ ዕላዊ ከም ዝገብርን ገሊጹ’ሎ።

ትዊተር ክሳብ ትማሊ ዓርቢ ምሸት ኣብ ናይጀርያ ይሰርሕ ከም ዘሎ ይግለጽ።

መንግስቲ ናይጀርያ እቲ ዝሓስቦ ዘሎ እገዳ ብኸመይ ኣብ መርየት ከም ዘሽርፎን ብዛዕባ እቲ ትዊተር ንናይ ናይጀርያ ሃለዋት ተፈታቲኑ’ዩ ዝበሎ ጉዳይ ዓᎃቕ ሓበሬታ ኣይሃበን።

በዓል መዚ ተቖጻጻሪ ፈነወ ሚድያታት ናይጀርያ ብዛዕባ ኣብ ኢንተርኔት መሰረት ገይሮም ዝሰርሑ ትካላት ምጥያስ ማሕበራዊ ሚድያታትን ኣወሃህባ ፍቓድ ዝምልከት ከይዲ ክጅምር ከም ዘለዎ ተነጊርዎ’ሎ።

ሓላፊ ኣመነስቲ ኢንተርናሽናል ኣብ ናይጀርያ ኦሳይ ኦጂግሆ መንግስቲ ናይጀርያ ኣብ ጉዳይ ትዊተር ኣመልኪቱ ንዘውጽኦ መግለጺ ኮኒንዎ።

“እዚ ውሳነ ናይጀርያ ኣብ ዓለም ለኻዊ ጉዳያት ምስ ዝኣተወቶም ኪዳናት ዘይቃዶ ስለ ዝኾነ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ናይጀርያ ነቲ ዝሓስብዎ ዘለዉ ሚድያታት ናይ ምእጋድ ውሳነ ቀልጢፎም ክኽልስዎ ንጽውዕ” ክብል እቲ ሓላፊ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ።