ኣብ ህንዲ ቁጽሪ ብኮሮቪድ ዝሞቱ ሰባት ካብ 300 ሽሕ ሰጊሩ

Published

ኣብታ ብለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣዝያ ተሃስያ ዘላ ህንዲ ቁጽሪ ምስቲ ቫይረስ ብዝተሓሓዝ ምኽንያት ዝሞቱ ሰባት 300,000 ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ።

ሰብሞያ ከምዝሕብርዎ ድማ ብዙሓት ዘጋጥሙ ሞት ይምዝገቡ ስለዘየለዉ እቲ ቁጽሪ ዝሞቱ ሰባት ካብቲ ዝግለጽ ዘሎ ኣዝዩ ዝለዓለ ክኸውን ይኽእል’ዩ።

ኣብ ህንዲ 26 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ዝተትሓዙ ኮይኖም በዚ ምኽንያት ካብ ኣሜሪካ ቀጺላ ኣብ ካልኣይ ደረጃ ትስራዕ፤ ኣብዚ እዋን ከኣ እቲ ለብዒ ብስፍሓት ዝረኣየላ ሃገር ኮይና ትርከብ።

ብብዝሒ ብሰንኪ እቲ ሕማም ዝሞቱ ድማ ካብ ኣሜሪካን ብራዚልን ቀጺላ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትስራዕ።

ካብቲ ዘጋጠመ ልዕሊ 300,000 ሞት ነቲ 100,000 ሓደ ወርሒ ኣብ ዘይመልእ ጊዜ ከምዘመዝገበቶ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብቶም ዝሓለፉ ሰሙናት ዝተረኣየ ካልኣይ ማዕበል ለብዒ ኮሮናቫይረስ ንመሓውር ኣገልግሎት ጥዕና እታ ሃገር ዘናግዐ ኮይኑ፤ ሆስፒታላት ብብዝሒ ሕሙማት ኣዕለቕሊቐን ኣለዋ።

ሕጽረት ኣገደስቲ ዝበሃሉ መድሓኒትን ኦክስጂንን ከኣ ከቢድ ፈተና ከምዝኾና ይግለጽ።

ኣብ ቀረባ መዓልታት ምስ ሕክምና ኮቪድ ብዝተሓሓዝ ዘጋጥም ዘሎ ኣዝዩ ሓደገኛ ረኽሲ ፈንገስ ኣብ ርእሲ ዘጋጠምዎ ከበድቲ ጸገማት ተደራቢ ፈተና ኮይንዋ’ሎ።

ኣብ ገለ ከባብታት እታ ሃገር ንሬሳታት መንደዲ ዝኸውን ቦታ ሕጽረት ስለዘጋጠመ እቲ መንደዲ ናብ ህዝባዊ መዘናዕዒ ቦታታት [‘ፐብሊክ ፓርክ’] ክሰፍሕ እናተገበረ’ዩ።

ኣብ ህንዲ ዘጋጥም ሞት ናይ ምስናድ ድኽመት ስለዘሎ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ኣብ መንበሪ ገዛ ዘጋጥም ዘሎ ሞት ይምዝገቡ የለዉን። ብፍላይ ኣብ ገጠራት።

ጋዜጠኛታት እቲ ትኽክለኛ ብዝሒ ንምፍላጥ ነቶም ዝሞቱ ሰባት ክቖጽሩ ከምዝጀመሩ ክግለጽ ከሎ፤ ምናልባት ግን ኣስታት ሓደ ሚልዮን ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ገለ መረዳእታት የመልክቱ።