እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ነብዪ እዩ ጩፋ፡ “ነቶም ወተሃደራት ክዳን ደንቢ ተኸዲንኩም ምጽኡ ኣይበልናን” ዝብል ምላሽ ሂቡ
ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኣብ ልዕሊ ፍሉጥ ሰባኺ ነብዪ እዩ ጩፋ ክሲ ክምስርት ምዃኑ ምግላጹ ስዒቡ፡ እቲ ሰብኺ “ነቶም ወተሃደራት ክዳን [ሰራዊት] ተኸዲንኩም ምጹ ኣይበልናን” ዝብል ምላሽ ሂቡ።
ነብዪ እዩ ጩፋ ነቲ ብምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ንዝተወሃበ መግለጺ ኣመልኪቱ ብቪድዮ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፡ እቶም ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብ ቤተ እምነቱ ዝተረኸቡ ሰባት ዝሰርሕዎ ገበን ከምዘየለ ብምግላጽ፤ ኣሎ እንተተባሂሉ ከኣ ብወተሃደራዊ ሕጊ ክሕተቱ ከምዝኽእሉ ሓቢሩ።
ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ክምስረት ዝተወጠነ ክሲ ኣመልኪቱ ድማ “ነብዪ እዩ ክኽሰስ’ዩ ንዝብል ነገር ምናልባት ንገለ ሰባት፡ ዝተፈለየ ሕጊ እንተሃልዩ ክኸውን ይኽእል’ዩ፤ ዝተፈለየ ሕጊ እንተዘይሃልዩ ግን ዘኽስስ ጉዳይ ኣይኮነን” ክብል ተዛሪቡ።
ምክልኻል ኢትዮጵያ እንታይ ኢሉ ነይሩ?
ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ “ውሑዳት ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ተሳተፍቲ [ኣብ ውሽጢ ናይ ነብዪ እዩ ቤተክርስትያን] ከምዝኾኑ ተረጋጊጹ’ሎ” ኢሉ ነይሩ።
ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም ኣብቲ ብነብዪ እዩ ጩፋ ዝተዳለወ ሃይማኖታዊ ፕሮግራም ዝተሳተፉ ኣባላቱ ኣብ ቀይዲ ውዒሎም ጉዳዮም ናብ ወተሃደራዊ ቤት ፍርዲ ንምቕራብ ይስራሕ ከምዘሎ’ውን ኣፍሊጡ።
ኣብ ልዕሊ ነብዪ እዩ ጩፋ ከኣ ክሲ ንምምስራት ውጥን ከምዘለዎ ወግዓዊ ገይሩ።
ነብዪ እዩ ጩፋ ብወገኑ ነቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝቐረበ ክሲ ኣብ ዝሃቦ ምላሽ፤ እቲ ወተሃደራት ምስ ክዳኖም ዝተሳተፉሉ ፕሮግራም ቅድሚ ወርሒ ከምዝተኻየደ ብምሕባር፤ እቶም ኣባላት ሰራዊት ምክልኻል ልክዕ ከም ካልእ ሰብ ናብቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዘሎ ቤተክርስትያን ‘ክራይስት ኣርሚ’ መጺኦም ከምዝተሳተፉ ኣረዲኡ።
ዝኾነ ዕዱም ከኣ እቲ መደብ ብቪድዮ ከምዝቕዳሕን ከምዝፍኖን ከምዝፈልጥ ገሊጹ።
ቅድሚኡ’ውን ሓይልታት ጸጥታ መንግስቲ ናብታ ቤክርስትያን ከምዝመጽኡን ንሱ ኣብ ዝመርሖ ፕሮግራም ከምዝሳተፉን ኣብቲ ብቪድዮ ዘሕለፎ መልእኽቲ ተዛሪቡ።
“እከለ ይምጻእ እከለ ግን ከይመጽእ ኣይንብልን። ንሕና ንኹሉ ሰብ እታ ቤተክርስትያን ክፍቲ ጌርካ ምጽናሕ እዩ ግቡእና። ኣብታ መዓልቲ ናባና መጺኦም ካብ ማእሰርቲ ኣጋንንቲ ነጻ ዝወጽኡ ወተሃደራት ዝሰርሕዎ ገበን የለን” ኢሉ።
ቅድሚ ሎሚ’ውን ኣብታ ቤተክርስትያን ዝዳሎ ኣገልግሎት ብቴሌቪዥንን ማሕበራዊ መራኸብታትን ከምዝፍኖ ዘዘኻኸረ ነብዪ እዩ “እቶም ወተሃደራት ኣብታ ዕለት ንኽርከቡ ኢልና ኣይደወልናሎምን። ኣነ ከኣ ናብ መዓስከር ወተሃደራት ብምኻድ ኣይኮንኩን ነቲ ኣገልግሎት ሂበ። ‘ስለምንታይ ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኖም መጺኦም?’ ዝብል ካልእ ሕቶ ኮይኑ ዝሰርሕዎ ገበን ግን የለን” ኢሉ።
“ብዙሕ ዓይነት ሰብ ናባና ይመጽእ’ዩ፤ ኣብ ዝመጽኡሉ እዋን ግን ኣከዳድናኹም ኣዕርዩ ወይ ክዳንኩም ቀይሩ ንምባል ስልጣን የብልናን። እታ ቤተክርስትያን ናይ ኩሉ እያ” ክብል ድማ ወሲኹ ኣብሪሁ።