4 ዓበይቲ ሕቶታት ብዛዕባ ባዕዳውያን ፍጥረታት

Published
ንባብ: 4 ደቓይቕ

ኣብዚ ሕጂ እዋን ክንዮ መሬትና ህይወት ንምድላይ ዝግበር ዘሎ ጻዕሪ ዝያዳ ትዅረት ይረክብ ኣሎ።

እዚ ብቕልጡፍ ዝምዕብል ዘሎ ዓውዲ መጽናዕቲ ኣስትሮባዮሎጂ ይበሃል። ከም ስነ ህይወት፡ ኬሚስትሪ፡ ፕላነታዊ ሳይንስን ስነ-ፍልጠትን ዘወሃህድ ሓደ ሳይንስ ኰይኑ እዩ።

መብዛሕትኡ ኣብ ሚልክ-ወይ ክህሉ ዝኽእል ህይወት፡ ከምቲ ኣብ መሬትና ዘሎ ባክተርያ፡ ሓደ ዋህዮ ዘለዎም ደቀቕቲ ታህዋስያን ክዀኑ ከምዝኽእሉ ትጽቢት ይግበር።

ምናልባት ግን ከም ኣትክልትን እንስሳታትን ዝኣመሰሉ ዝያዳ ዝተሓላለኹ ዓይነታት ህይወት ዘለዎም ገለ ዓለማት ክህልዉ ይኽእሉ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ሰለስተ ቀንዲ መዳያት ዝተራእየ ምዕባለታት፡ ኣስትሮባዮሎጂ፡ ቀዳሞት ምልክታት ግዳማውያን ህይወታት ንምርካብ ጫፍ ንበጽሕ ኣለና ዝብል ተስፋኦም ክብ ክብል ገይሩ ኣሎ። እዞም ቀዳሞት ምልክታት ኤክስትሪሞፋይልስ፡ ኤክሶፕላነትስን ሮቦታዊ ዳህሳስን የጠቓልሉ።

እዚ ጽሑፍ፡ ምስ ግዳማውያን ህይወታት ብዝተኣሳሰር ዝለዓሉ ቀንዲ ኣርባዕተ ሕቶታት ዝድህስስ እዩ።

1. ክንዮ መሬት ህይወት ንምርካብ ልዑል ተስፋ ዝህቡ ምኽንያታት

ኤክስትሮሞፋይልስ

ብዛዕባ ኣብ ምድሪ ዝርከቡ ደቀቕቲ ታህዋስያን ዝያዳ ብዝፈለጥና መጠን፡ በቲ ንምእማኑ ዘጸግም ተዓጻጻፍነት ህይወት ዝያዳ ንግረም።

እቶም ጽኑዓት ቅርጺ ህይወት ኤክስትሪሞፊልስ ተባሂሎም ይፍለጡ። ኣብ ገለ ኣዝዮም ተቐበልቲ ዘይኰኑ ከባቢታት ብህይወት ተረኺቦም እዮም።

ኣብ ዝፈልሐ ውዑይ ሃይድሮተርማል መትሓዚታት፡ ኣብ ትሕቲ ዝሑል በረድ፡ ኣብ ኣሲዳዊ ቀላያት እሳተ ጎመራ፡ ኣብ ትሕቲ ዓሚቝ ክፋል ምድሪ፡ ኣብ ልዑል ጨረርታ ዘለዎ ከባቢታት ከይተረፈ ብህይወት ክጸንሑ ክኢሎም።

ኤክስትሪሞፊልስ ንኣስትሮባዮሎጂስት ብዛዕባ ደረት ግዳማዊ ህይወትን እንታይ ዓይነት ካብ ዓለማና ወጻኢ ዝርከብ ከባቢታት ንምንባር ከምዘኽእሉን ንክርድኡ ይሕግዞም።

ኤክሶፕላኔትስ

ቅድሚ 1992 ኣብ ምሉእ ጋላክሲ ከምዘለዋ እንፈልጠን ፕላኔታት፡ እተን ኣብ ስርዓተ ጸሓይና ዝርከባ ጥራይ እየን ነይረን።

ብድሕሪኡ ግን፡ ቴለስኮፕና ዳርጋ 5,400 ዓለማት ኣብ ዙርያ ካልኦት ከዋኽብቲ ረኺቦም። እዞም ዓለማት ግዳማዊ ፕላኔታት ወይ ኤክሶፕላኔትስ ይበሃሉ።

መብዛሕትኦም እቶም ቀዳሞት ዝተረኸቡ ኤክሶፕላነትስ፡ ናብ ጸሓያቶም ኣዝዮም ቀሪቦም ዑደት ዝገብሩ ዝነፍሑ ግዙፋት ጋዛት እዮም። እዚኦም ህይወት ንምዕቃብ ዘኽእሉ እዮም ተባሂሉ ኣይእመንን።

እንተዀነ እዚኦም እቶም ብቐሊሉ ዝተለለዩ ጥራይ እዮም ነይሮም። ብድሕሪ'ዚ ግን ካብ ጸሓያቶም ርሒቘም ዑደት ዝገብሩ ንኣሽቱን ኤክሶፕላነትስ ተረኺቦም ኣለዉ።

ንኣስትሮባዮሎጂ፡ እቶም ኣዝዮም መሰጥቲ ኤክሶፕላነትስ፡ ንኣሽቱ፡ ኣኻውሕ ዝበዝሖም፡ ንመሬት ዝመስሉ ኰይኖም፡ ካብ ጸሓያቶም ብዝግባእ ርሕቀት ዑደት ዝገብራ እየን። ስለዚ ሙቐትን ውቅያኖሳት ፈሳሲ ማያት ክህሉ ክፈቅድ ይኽእል።

ከምዚኦም ዝበሉ ኤክሶፕላነትስ ንምንባር ክዀኑ ይኽእሉ፤ ግዳማዊ ህይወት ክህልወን ድማ ተኽእሎ ኣሎ።

ኣብ መጻኢ ኣብ ህዋ ዝተተኸለ ቴለስኮፓት፡ ኣብ ከባቢ ኣየር እቶም ኤክሶፕላነትስ ምልክታት ህይወትን ከም ህላወ ብፎቶሲንተሲስ ዝፍኖ ኦክስጅን ጋዝ እንተሃልዩ ንምፍላጥ ክሕግዙ ተስፋ ይግበር።

2. ሮቦታዊ ዳህሳስ ስርዓተ ጸሓይ እንታይ ውጽኢት ይህልዎ?

ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተታት ዓመታት ዝተረኣዩ ምዕባለታት ሮቦቲክስን ሳይንሳዊ መሳርሒታትን፡ ኣብ ህዋ ዝግበር ንመርመራታት ዝያዳ ዓቕሚ ክህልዎ ገይሮም እዮም።

መራኽብ ኦርቢተር፣ ተሽከርከርትን ዘጠቓለሉ ተልእኾታት ናብ ማርስ፡ ከምኡ'ውን ንግዳማዊ ፕላነታት ጁፒተርን ሳተርንን እንተላይ ንወርሕታተን ዝድህስሱ ተልእኾታት ተላኢኾም ኣለዉ።

ኣብ ሮቦቲክስ ዝረአ ዘሎ ምዕባለታት ምህላዉ፡ ግቡእ ዳህሳስ ንምክያድ ሰባት ናብ ካልኦት ፕላነታት ክጓዓዙ ግድን ኣይኰነን ማለት እዩ። ተሽከርከርቲ ንልዕሊ ክልተ ዓሰርተታት ዓመታት ኣብ ማርስ ምልክታት ህይወት ክሃድና ጸኒሐን እየን።

ኣብ ነፍሲ ወከፍ ናብ ካልእ ዓለም ዝግበር ጕዕዞ፡ ብዛዕባ ከባቢ፡ ንጡፋት መስርሓትን ታሪኽን እተን ዓለማት ዝያዳ ንፈልጥ ኣለና። ጎኒ ጎኒ እዚ ድማ መልሲ ዘድልዮም ምሉእ ብምሉእ ሓደስቲ ሕቶታት ይለዓሉ።

እዞም መመርመሪታት ህዋ (ከምኡውን ከም ሃብል ዝኣመሰሉ ቴለስኮፖት) ኣብ ስርዓተ ጸሓይ ዝርከባ ብኣጻብዕ ዝቑጸራ ፕላነታትን ወርሕን፡ ግዳማዊ ህይወት ከንብራ ዝኽእላ መንበሪታት ከምዘለዋ ኣረጋጊጾም እዮም።

3. ግዳማዊ ፍጥረታት ኣብ ሲሊኮን ዝተመስረቱ ክዀኑ ይኽእሉ ድዮም?

ኩሉ ኣብ ምድሪ ዘሎ ህይወት ንምንባር ፈሳሲ ማይ የድልዮ። እዚ ድማ ግብረ-መልሲ ባዮኬሚስትሪ ዝድግፉ ከሚካላት ኣብ ምሕቓቕ ኣገዳሲ እዩ። ኣብዚ ምድርና ዘሎ ህይወት ድማ ካብ ኣብ ኣቶማት ካርቦን ዝተመስረቱ ዝተሓላለኹ ሞለኲዩላት ዝተሃንጸ ኦርጋኒክ (ተፈጥሮኣዊ) እዩ።

ኣስትሮባዮሎጂ ነቲ ከም ዝከኣል እንፈልጦ ዓይነት ህይወት ኣብ ምድላይ ዝያዳ ይሕግዝ፤ ከመይ ጌርና ከም እነለልዮ ድማ ጽቡቕ ርድኢት ኣሎ።

ግዳማዊ ፍጥረታት ግን ኣብ ፍጹም እተፈልየ ዓይነት ከሚስትሪ እተመስረተ ክኸውን ይኽእል ድዩ?

ሲሊኮን ዝተበሃለ ባእታ ኣብ ፔሪዮዲክ ሰንጠረዥ ኣብ ትሕቲ ካርቦን ይርከብ። ብብዙሕ መዳይ ድማ፡ ከሚስትሪኡ ተመሳሳሊ እዩ።

ምስ ካርቦን ክነጻጸር እንከሎ ግን፡ ስሊኮን ርጉእ ከሚካላዊ ምትእስሳርን ዓበይትን ዝተሓላለኹን ሞለኲዩላትን ኣብ ምፍጣር ከም ካርቦን ውጽኢታዊ ኣይኰነን።

ህይወት ባዕዳውያን ግን ካብ ማይ ወጻኢ ከም ምናልባት ኣሞንያ ኣብ ዝኣመሰሉ ካልኦት ፈሰስቲ ዝተመርኮሰ ክኸውን ይኽእል እዩ።

4. ግዳማዊ ፍጥረታት ፈላጣት ድዮም?

ኣስትሮባዮሎጂ መብዛሕትኡ ግዜ ኣብ ስርዓተ ጸሓይ ምልክታት ተጻዋርነትን ሓደ ዋህዮ ዘለዎን ህይወት ኣብ ምድላይ ወይ ወይ ኣብ ምፍላጥ ዘተኮረ እዩ።

ኣብ ጋላክሲ ግን ካብዚ ዝተሓላለኸ ህይወት ክህሉ ይኽእል ድዩ? ምናልባት ግዳማውያን ተኽልታትን እንስሳታትን?

እዞም ግዳማውያን ፍጥረታት'ኸ ፈላጣት ክዀኑ ተኽእሎ ኣሎ'ዶ?

ጋላክሲ ኣዝዩ ነዊሕ ዕድመ እዩ ዘለዋ። ፈላጣት ፍጥረታት ኣብ ብዙሕ ሚልዮናት ዓመታት ክምዕብል ይኽእል ነይሩ፣ ኣብ መላእ ጋላክሲ ድማ ክዝርጋሕ ምኸኣለ።

ግን ዋላ'ኳ ንልዕሊ 60 ዓመታት ስፍሕ ዝበለ መደባት ኣርቲፊሻል ራድዮ ምትሕልላፍ ወይ ምልክታት ቴክኖሎጂያዊ ኣቃውማታት እናደለና እንተጸናሕና፡ ፈላጣት ግዳማዊ ፍጥረታት ከምዘዉ ዘእምን መርትዖ ኣይረኸብናን።

እንተወሓደ ዛጊት ኣይተረኸበን።