እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጃልባ መሪሑ ንመትረብ እንግሊዝ ከም ዝሰገረ ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ንዝቐረበሉ ክሲ ነጺጉ
ንእሽቶ ጃልባ ብምዝዋር ብዘይሕጋዊ መንገዲ ብመትረብ እንግሊዝ ሰጊርካ ብዝብል ዝተኸሰሰ ኤርትራዊ፡ ምስ ሕጊ ኢምግረይሽን ዝተኣሳሰሩ ንዝቕረብሉ ክልተ ገበናት ከም ዝነጸጎም ተገሊጹ።
እዚ ኣብ ብራድፎርድ ዝነብር ዘሎ ወዲ 24 ዓመት እድሪስ ዓብዱ፡ ብሰኑይ 22 ሰነ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ከተማ ቀሪቡ ገበነኛ ከም ዘይኰነ ቃል ሂቡ።
ዓብዱ ነቲ ኵሉ መስርሕ ቤት ፍርዲ ብሓገዝ ካብ-ናብ እንግሊዝ-ትግርኛ ዝትርጕመሉ ሰብ ዘካየዶ ኰይኑ፡ ቅድሚ እቲ ኣብ ነሓሰ ዝካየድ ሓድሽ መጋባእያ፡ ብዳኛ ኪርስቲ ዋትሰን ብዘይ ዝዀነ ቅድመ-ኵነት ብዋሕስ ናጻ ናይ ምዃን መሰል ተዋሂቡዎ ኣሎ።
እቲ ኣብ ልዕሊኡ ዝውሰድ ሕጋዊ ብይን ን29 ነሓሰ 2028 ክጅምር ተወጢኑ ይርከብ፤ ክሳዕ እታ ዕለት ድማ ካልእ ዝወሃብ ውሳነ ቤት ፍርዲ የሎን።
ጉዳይ እድሪስ ዓብዱ ፈለማ ዘጋጠመ፡ ዝሓለፈ ዓመት ብ13 ግንቦት 2025 ንእሽቶ ጃልባ ብምጥቃም ካብ ፈረንሳ ናብ ብሪጣንያ ኣብ ዝተገብረ ብማይ ናይ ምስጋር ጕዕዞ እዩ።
ንሱ ነታ ጃልባ ብምዝዋር ዘይሕጋዊ ስደተኛታት ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ክሰግሩ ብምሕጋዝን በታ ዕለት እቲኣ'ውን ባዕሉ ብዘይሕጋዊ መእተዊ ፍቓድ ናብታ ሃገር ብምእታውን እዩ ዝኽሰስ ዘሎ።
ዓብዱ ካብ ፈረንሳ ጃልባ መሪሑ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ምስ ኣተወ፡ መጀመርታ ኣብ ብራድፎርድን ኬግሊን ኣብ ዝርከብ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ቀሪቡ ነይሩ።
ኣብቲ እዋን፡ ኣኽባሪ ሕጊ ፓውል ራምሲ ንቤት ፍርዲ ኣብ ዘቕረቦ ጽሑፍ፡ እቲ "ንሕጊ ኢምግረይሽን ብሪጣንያ ጥሒሱ ጃልባ መሪሑ ሰጊሩ፡" ዝብል ቀዳማይ ክሲ ከቢድ ገበን ብምዃኑ፡ እቲ ጉዳይ ኣብ ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ጥራይ ክርአ ከም ዝግባእ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብቲ ፈላማይ መጋባእያ፡ ምክትል ላዕለዋይ ፈራዲ ዞባ ዝዀነ ዳኛ ኒክ ሃይለስ ንእድሪስ ዓብዱ ብዋሕስ ኣብ ገዛኡ ክጸንሕ ኣፍቂድሉ ነይሩ።
እንተዀነ፡ እታ እድሪስ መሪሑዋ ዝተባህለት ጃልባ ካልኦት ስደተኛታት ሒዛ ነይራ ድያ ወይስ ንበይኑ ጥራይ እዩ ሰጊሩላ ዝብል ዝርዝር ሓበሬታ ዛጊት ንጹር የሎን።
ዋሕዚ ስደተኛታት ኣብ መትረብ እንግሊዝ
ነቲ ኣብ መንጎ ፈረንሳን ብሪጣንያን ዝርከብ መትረብ ብምቍራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ዝኣትዉ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ብልዑል መጠን ክውስኽ ጸኒሑ እዩ።
ብመሰረት ጸብጻባት፡ ኣብ 2025 ጥራይ 41,472 ስደተኛታት ብንኣሽቱ ጀላቡ ነዚ መትረብ ብምቝራጽ ናብ ዓዲ እንግሊዝ ኣትዮም።
ካብ ጥሪ 2026 ክሳዕ መፋርቕ ግንቦት 2026 ኣብ ዘሎ ግዜ'ውን 7,576 ስደተኛታት ብተመሳሳሊ መንገዲ ናብታ ሃገር ከም ዝኣተዉ ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ሓቢሩ ኣሎ።
እዚ ቍጽሪ እዚ ምስ ተመሳሳሊ እዋን ናይ 2025 ክነጻጸር ከሎ፡ እቶም በዚ መትረብ'ዚ ዝሰግሩ ዘለዉ ብዝሒ ስደተኛታት ብኣስታት 40 ሚእታዊት ከም ዝነከየ እቲ ምኒስትሪ ወሲኹ ገሊጹ።