እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
እሳተ ጎመራ ዘጋጠማ ሃገረ ቅዱስ ቬንሰንት ብጻዕዳ ሓሙክሽቲ ተሸፊና
ኣብ ካሪብያን ትርከብ ደሴታዊት ሃገረ ቅዱስ ቪንሰንት ብዓርቢ እሳተ ጎመራ ድሕሪ ምፍንጃሩ፡ ኣብ ርእሰ ከተማኣ ኪንግስቶንን ኣብ ካልእን ዝርከብ መንበሪ ኣበይትን ጽርግያታትን ብጻዕዳ ሓሙኹሽቲ ተሸፊኑ።
እቲ ብዓርቢ ዝተፈንጀረ እሳተ ጎመራ ክሳብ ሎሚ እሳትን ደሮናን ይተፍእ ምህላውን፡ እቲ ትክን ደሮናን ኣሽሓት ሜትሮ ናብ ሰማይ ይውንጨፍ ምህላዉ ተገሊጹ።
እቲ እሳተ ጎመራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝኾነ ምልክት ከየርኣየ ልኡም ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ገለ ምልክታት ናይ ሙንታግ ከርኢ ጀሚሩ።
ኣሽሓት ሰባት ብሰንኪ እቲ እሳተ ጎመራ ካብ ቤት ንብረቶም ክፈናቀሉ እንከለዉ ኣብታ ደሴታዊት ሃገር ኣብ ዝበዝሐ መንበሪ ኣባይቲ መስመራት ማይ ተቋሪጹ ከምዘሎ ተፈሊጡ።
ቀዳማይ ሚኒስተር እታ ደሴታዊት ሃገር ህዝቢ ክረጋጋእ ጸዊዑ ኣሎ።
እቲ እሳተ ጎሞራ ብዓርቢ ድሕሪ ምንታጉ ኣስታት 3000 ዝኾኑ ሰባት ናብ ግዜያዊ መጽለሊ ከምዝተሰጋገሩን ኣስታት 16 ሽሕ ዝኾኑ ኸኣ ትማሊ ካብቲ ብሓሙኩሽቲ ተሸፊኑ ዘሎ ከባቢታት ናብ ውሑስ ቦታ ክወጽኡ ከምዝተገበረ ቀዳማይ ሚኒስተር ራልፍ ኮንሳልቨስ ሓቢሩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ራልፍ ኮንሳልቨስ እቲ እሳተ ጎመራ ብሕጂ ክሳብ ክንደይ ሓሙኽሽቲ ክተፍእ ከምዝኽእል ከምዘይፍለጥ ብምሕባር ብሕጂ ንመዓልታት ወይ’ውን ንሳምንታት ክቅጽል ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ ኣሎ።
እታ ኣስታት 110 ሽሕ ብዝሒ ህዝቢ ዘለዋ ደሴታዊት ሃገር ቀዳም ለይቲ ብሓሙኽሽቲ ተደብያ ከምዝውዓለት እዩ ተገሊጹ ዘሎ።
ሓደ ተቐማጢ ከተማ ራባካ ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ ኣብ ገለ ክፋል እታ ከተማ እቲ ሓሙኩሽቲ ክሳብ 30 ሴንቲ ሜተር ተኾሚሩ ከምዝርከብ ገሊጹ።
ሰብ መዚ ጥዕና እታ ሃገር ናይ ምስትንፋስ ጸገማት ዘለዎም ሰባት ጥንቃቐታት ከዛይዱ ምዒዶም ኣለዉ።
እቲ ደሮናን ሓሙኽሽትን ናይቲ እሳተ ጎሞራ ልዕሊ 160 ኪሎሜተር ንምብራቕ ብምጉዓዝ ናብ ደሴት ባርባዶስ ከምዝበጽሐ ሰብ መዚ ባርባዶስ ገሊጾም።
ካብ ደሴት ቅዱስ ቬንሴንት 75 ኪሎ ሜተር ንሰሜን እትርከብ ደሴት ቅድስቲ ሉችያ’ውን እቲ ሓሙክሽቲ ናብኦም’ውን ከምዝበጽሐ ብምግላጽ ብሓሙኽሽቲ ዝተሸፈና መካይንን መንበሪ ኣባይትን ዘርኢ ኣሳእል ኣብ ማሕበራዊ ሚድያታት ለጢፎም ኣለዉ።
እቲ እሳተ ጎሞራ ካብ 1979 ጀሚሩ ልኡም ኮይኑ ድሕሪ ምጽናሕ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ታሕሳስ ጀሚሩ ሃፋን ጻዕዳ ትክን ክተፍእ ጀሚሩ።