ኣብ ናይጀርያ ሰለስተ መደበራት ፖሊስ መንእሰያት ብሓዊ ከምዘቃጸልዎም ተገሊጹ

Published

ኣብ ደቡባዊ ምብራቕ ናይጀርያ ኣብ እትርከብ ኣናምብራ እትብሃል ዞባ፡ መራሒ ሞትር ብሽክለታ ብፖሊስ ተቐቲሉ ኢሎም ዝነደሩ መንእሰያት ብሮቡዕ ሰለስተ መደበራት ፖሊስ ብሓዊ ከምዘቃጸሉ ተገሊጹ።

እቲ ብፖሊስ ተቐቲሉ ዝተበሃለ መራሒ ሞተር ብሽክለታ፡ ኣብ እዋን ሰዓት እቶ እቶ ብሞተር ብሽክለታ እናኸደ እንከሎ ብሰሉስ ምሸት ከምዝተቐተለ እዩ ተገሊጹ ዘሎ።

ኢምበረ ንዎግና ካብ ፖሊስ ብዝተኾሰ ጥይት ከምዝተቐተለ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ተዛሪቦም።

ሓደ ካብቶም ነቲ ቐትለት ብዓይንና ተዓዚብና ዝበለ ኦኮፋዚ ኡጎችኩዉ “ፖሊስ ምስ ሃረምዎ ኣብቲ ዝወደቖ ጠንጢነሞ በታ ሞተር ብሽክለትኡ ገይሮም ሃዲሞም” ክብል ሓቢሩ።

ሮቡዕ ንግሆ በቲ ተግባር ፖሊስ ዝተቆጥዑ መንእሰያት ናብታ ኣብታ ከተማ እትርከብ መደበር ፖሊስ ብምኻድ ሓዊ ይእትዮሙላ።

ናብ ጎሮቤት ከተማታት ኤኳሎባን ኦኮን ብምኻድ’ውን ክልተ መደበራት ፖሊስ ብሓዊ ኣቓጺሎመን።

ኮምሽነር ፖሊስ ዞባ ኣናምብራ ጆን ኣባጋ፡ ነቲ ቕትለት ዝፈጸሙን ምስቲ ቕትለት ምትሕሓዝ ዘለዎምን ፖሊስ ናብ ፍርዲ ከምዘቐርቡ ሓቢሩ ኣሎ።