ናይጀርያ፡ ልዕሊ ማንታ ምዃን ብዙሕ ዘመሳስል ነገር ዘለወን መናቱ

Published

ናይጀርያውያንን ፍሎረንስ ታይዎ ኦላዎይን፡ ኢዩኒስ ከሂንዴ ኣንድርያን ዕድሚኤን 55 ዓመት መሊኡ'ሎ። መናቱ ካብ ምዃነን ብተወሳኺ ብዙሕ ዘመሳስለን ነገራት ኣሎ።

ክልትኤን ኣብ ሓንቲ መዓልቲ ተመርዕየን፤ ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ወሊደን፤ ብሓባር ቤተክርስትያን ኣጣይሸን። ናይ ክልትኤን ሰብኤት ድማ ፓስተራት [ሰበኽቲ/ካህናት] እዮም።

ካብ ግዜ ቁልዕነተን ጀሚሩ ተፈላልየን ዘይፈልጣ ፍሎረንስን ኢዩኒስን ሎሚ'ውን ምስ ቤተሰበን ኣብ ሓደ ካንሸሎ (መረባ) ይነብራ።

"ብዙሓት ዘይንሰማምዐሎም ነገራት ሃልዮም ብፍላይ ብናይ ገዛ ስራሕቲ እናተበኣስና ኢና ዓቢና። እንተኾነ ዝዓርቀና ሳልሳይ ሰብ ዋላ ካብ ቤተሰብና ከይሓወስና ንተዓረቕ ነይርና" ትብል ካብ ክልትኤን ቀዲማ ካብ ማህጸን ዝወጽአት ፍሎረንስ።

ኣብ ናይጀርያ ብባህሊ ዮሩባ፡ ቀዲሙ ዝተወለደ 'ታይዎ' ይበሃል። ቀዳማይ ዝብል ትርጉም ድማ ኣለዎ። 'ከሂንዴ' ከኣ መወዳእታ ወይ መጨረሻ ዝተወለደ ማለት'ዩ።

እታ ቁሩብ ደንጉያ ዝተወለደት ፍላይ ማንታ ዝኾነት ከሂንዴ' ግን ከም ምንኣስ ዘይኮነስ ከም ዓባይ ኮይና ትውሰድ።

ብዮሩባውያን ነዚ ዝወሃብ ምኽንያት ኣሎ። እቲ ቀዲሙ ዝውለድ ፍላይ ማንታ ነቲ ብቑሩብ ኣፈላላይ ጸኒሑ ዝውለድ ፍላይ ማንታ፡ ከውሊ ክኾኖ ወይ ኣብ ዓለም ዳህሳስ ብምግባር ድሕነቱ ከረጋግጸሉ ብዝብል ስለዝኾነ እቲ ካልኣይ ከም ክቡርን ዓብይን ይቑጸር።

"ኣብ ቤት ትምህርቲ ከለና ሓንቲ ንበይና ተቐጺዓ ኣይትፈልጥን። ነታ ቀጣን በትሪ ክልትኤና ኢና ንቐምሳ" ትብል ኢዩኒስ።

እዘን ማናቱ፡ ብመልክዐንን ቁመንአንን ተመሳሰልቲ ብምዃነን ብምትላል ናይ መምህር በትሪ ጥራይ ኣይኮነናን ሓቢረን ዝቋደሳ፡ ኣብ እዋን ፈተና'ውን መምህራነን ከይፈለጡ ሓንቲ ናይታ ካልእ ተፈቲነን ይፈልጣ እየን።

ኣብ ተመሳሳሊ መዓልቲ ኣብ ሓደ ሆስፒታል ክወልዳ ዝኸኣላሉ ኩነታት ኣጋጣሚ'ዶ ትልሚ? ኣብ ዝብል ክዛረባ ኣይደልያን። ተመሳሳሊ ጾታ ዘለዎም ቆልዑ ግን ኣይወለዳን ፍሎረንስ ወዲ፡ ኢዩኒስ ጓል ሓሪሰን።

"ሓዴና ኣብ ገዛ እንተዘይሃሊና ሓዴና ንክልትኦም ህጻናት ነጥቡብ" ትብል ፍሎረንስ።

ደቀን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዕድሚኦም 18 ዓመት ሓሊፍዎም ኣሎ። ክልቲኦም ኣየነይቲ ኣዲኦም ከምዝኾነት ንምፍላይ ዝጽገሙሉ ኣጋጣምታት ከምዘሎ ንቢቢሲ ተዘሪቦም።