ጆ ባይደን ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት 100 ሚልዮን ኣመሪካውያን ከምዝኽተቡ ተመባጺዑ

Published

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት ስራሕ ፕረዚደንትነቱ 100 ሚልዮን ኣመሪካውያን ክኽተቡ ምኳኖም መብጽዓ ኣትዩ።

ጆ ባይደን፡ እቲ ዘሎ ለበዳ ኣብ ውሽጢ ሓደ ወርሒ፡ ምሉእ ንምሉእ ክውገድ ከምዘይክእል ብምሕባር ካብዚ ዘለዎ ናህሪ ግን ኣንፈቱ ከቐይሮን ከጉድሎን ምኳኑ’ዩ ሓቢሩ።

ጆ ባይደን ነቶም ኣብ ጽላት ጥዕና ክምርሑ ዝረቆሖም ንኸላሊ ናብ መድረኽ ኣብ ዝቐረበሉ፡ ህዝቢ ኣመሪካ ንዝመጽእ 100 መዓልታት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክጥቀም ተማሕጺኑ።

ብመሰረት ቅዋም ኣመሪካ ጆ ባይደን 20 ጥሪ ቃለ መሓላ ብምፍጻም እዩ ወግዓዊ ስራሕ ፕረዚደንትነቱ ኣብ ዋይት ሃውስ ኮይኑ ክጅምር።

ብዛዕባ ክታበት ፋይዝር ባዩ ኤንተክ ንድሕነቱ ዝምልከት ብሰሉስ ዝቐረበ ጸብጻብ፡ እቲ ክታበት ኣብ ኣመሪካ ወግዓዊ ፍቃድ ንኽረክብ ባይታ ዘጣጥሕ እዩ ነይሩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከሎ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ’ውን ኣብ ዋይት ሃውስ ንክታበት ኮቪድ 19 ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኻየደ ኣኬባ ተሳቲፉ።

ብመሰረት ካብ ጆንስ ሆፕኪንስ ዩኒቨርስቲ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ኣብ ኣመሪካ ክሳብ ሎሚ ልዕሊ 15 ሚልዮን ሰባት ብኮሮናቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ፡ 285,000 ሰባት ኸኣ ሞይቶም፡ ብመሰረት እዚ፡ ኣመሪካ ብመጠን መልከፍትን ሞትን ካብ ዓለም ቀዳመይቲ ዘላ ሃገር እያ።

ኣብ ዝበዝሐ ግዝኣታት እታ ሃገር መጠነ መልከፍቲ ብናህሪ’ዩ ዝውስኽ ዘሎ፡ ሆስፒታላት’ውን ቅጽጽ ኢለን ይርከባ፡ ብዙሓት ሰብ ሞያ ጥዕና፡ መጠነ መልከፍቲ ብናህረቲ ክውስኽ ዝኸኣለ ብሚልዮናት ዝቁጸሩ ኣመሪካውያን ብምኽንያት መዓልቲ ምስጋና ካብን ናብን ስለዝገሹ እዮም ይብሉ።

ጆ ባይደን ካልእከ እንታይ ኢሉ?

ምሩጽ ፕረዚደንት ጆ ባይደን፡ ንላዕለዋይ ኣኽባሪ ሕጊ ካሊፎርናያ ዛቪየር በካራ ከም ዋና ጽሓፊ ጥዕና ገይሩ ምርቁሑ ንኽሕብር ኣብ ደልዋረ ኮይኑ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ራቸል ዎለንስኪ’ውን ላዕለወይቲ ሓላፊት ምቁጽጻርን ምክልኻልን ሕማማት ገይሩ ሮቊሕዋ።

ጆ ባይደን ኣብቲ ኣጋጣሚ “ኣብ ቤት ጽሕፈት ዝጸንሓለን ቀዳሞት 100 መዓልታት መፈጸምታ ኮቪድ 19 ክንገብረን ኣይንኽእልን ኢና፡ ካብዚ ዘሎ ኩነታት ቀልጢፍና ክንወጽእ ኢና ኢለ ቃለ ክኣቱ ኣይክእልን’የ” ኢሉ።

ንሱ ብምስዓብ “እንተኾነ ኣብ ቀዳሞት 100 መዓልታት ነዚ ሕጂ ዘሎ ኩነታትን ኣንፈት ናይቲ ሕማማን ክንቅይሮ ኢና፡ ናብራ ኣመሪካውያን ከኣ ናብ ዝሓሸ ክብ ክብል እዩ” ኢሉ።

እዚ ግን ሃገራዊ ባይቶ ጽምደ ሰልፋዊ ዘተ ብምክያድ ብህጹጽ ምወላ ዝግበረሉ መንግዲ እንዘይኣጣጢሑ ኩሉ ነገር ክኸብድ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ።

ተማሃሮ ናብ ትምህርቲ ዝምለስሉ ተኽእሉ ኸኣ ቀዳምነት ዝውሃቦ ጉዳይ ምኳኑ ኣስሚርሉ።

ኣመሪካ ኣብ ጉዳይ ክታበት ኣብ ከመይ ደረጃ እያ በጺሓ ዘላ?

ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ፡ ክታበት ፈይዘር ባዩኤንተክ 95 ሚእታዊት ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ከምዘለዎ ስለዝመስከረ፡ እቲ ክታበት ኣብ ኣመሪካ ኣብ ናይ ህጽጽ እዋን ኣብ መዓላ ንኽውዕል ፍቃድ ክረክብ ባይታ ዘጣጥሕ ጸብጻብ እዩ ኣቕሪቡ።

እቲ ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ንድሕነት እቲ ክታበት ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ፡ ኣብ መዓላ ንከይውዕል ዝኽልክል ዝኾነ ዘሰክፍ ነገር ከምዘይረኸበሉ እዩ ሓቢሩ።

እቲ ክታበት ዕውት ንኽኸውን ንሓደ ሰብ ክልተ ብልቃጥ እዩ ዘድልዩ፡ እንተኾነ እታ ቀዳመይቲ ብልቃጥ ጥራይ ኣብቶም በቲ ሕማም ኣዝዮም ዝተወጽዑ ተፈቲኑ 89 ሚእታዊት ኣወንታዊ ውጽኢት ከመዝግብ ክኢሉ እዩ።

እቲ ክታበት ከም ጎድናዊ ሳዕቤን፡ ምቅያሕ ቆርበት፡ ኣብቲ መርፍእ ዝውግኣሉ ሕበጥ፡ ሕማም ርእስን ቃንዛ መትንታትን ከምዘርኢ ዝግለጽ ኮይኑ እዚ ግን ኣዝዩ ብትሑት ቁጽርን ምኳኑ እዩ ተገሊጹ።

ኣብ ኣመሪካ ዝፍተን ዘሎ ሞደርና’ውን ብተመሳሳሊ ጽቡቕ ውጽኢት ዘርኢ ዘሎ ክታበት ኮይኑ፡ ካብ ትካል ምቁጽጻር መግብን መድሃኒትን ኣመሪካ፡ ቅድመ ልደት ፈረንጂ ፍቃድ ክረክብ ትጽቢት ይግበር።