ፔሩ ኣብ ውሽጢ ሰሙን ሳልሳይ ፕረዚደንት: ፍራንሲስኮ ሳጋስቲ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ

Published

ሓድሽ መሰጋገሪ ፕረዚደንት ፔሩ፡ ፍራንሲስኮ ሳጋስቲ ቃለ ማሕላ ፈጺሙ። እታ ሃገር ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰሙን ንሳልሳይ ጊዜ እያ ፕረዚደንት ትቕይር ዘላ።

እቲ ወዲ 76 ዓመት መሃንድስ፡ ፔሩ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ፕረዚደንታዊ ምርጫ ክሳዕ እተካይድ ነታ ሃገር ክመርሓ እዩ።

ፕረዚደንት ማርቲን ቪዝካራ፡ ብሰንኪ ዝቐረበሉ ናይ ብላዕ ክሲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን'ዩ ካብ ስልጣኑ ክወርድ ተገዲዱ።

ፕረዚደንት ማርቲን፡ ነቲ ዝቐረበሉ ክሲ ከምዘይቕበሎን ካብቲ ተባሂሉ ዘሎ ክሲ ነጻ ከምዝኾነን ምስ ሓበረ ኣብ መላእ እታ ሃገር ብርቱዕ ተቃውሞ ተላዒሉ።

ብሰንኪ እቲ ዝተለዓለ ናዕቢ ብውሕዱ ክልተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ ብዙሓት ቆሲሎም እዮም።

ፕረዚደንት ሳጋስቲ ኣብ ቤት ምኽሪ ባይቶ ፔሩ፡ ነቲ ዘድልዮ 60 ድምጺ ብምርካቡ እዩ ነቲ መዝነት በቒዑ።

ንሱ ኣባል ኣባል ናይታ ፕረዚደንት ቪዝካራ ካብ መዝነቱ ክእለይ ዘድመጸት እንኮ ሰልፊ እዩ።

ፕረዚደንት ሳጋስቲ ንባይቶ ኣብ ዝሃቦ መደረ፡ ነቶም ኣብቲ ናይ ተቓውሞ ሰልፍታት መቕርቦም ንዝሰኣኑ ስድራቤታት "ብስም መንግስቲ ይቕሬታ እሓትት" ኢሉ።

"ነዞም መንእሰያት ናብ ህይወት ክንመልሶም ኣይንኽእልን" ድሕሪ ምባል፡ "ምህዳእ ኣድላዪ እዩ" ኢሉ።

ኣብ ፔሩ እንታይ'ዩ ተኸሲቱ?

ፕረዚደንት ማርቲን ቪዝካራ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ካብ ስልጣን ምስ ተኣለየ፡ ኣፈ ጉባኤ ባይቶ እታ ሃገር ዝነበረ ኣማንኤል መሪኖ እዩ ነቲ ስልጣን ተረኪቡ ንትሕቲ ሓደ ሰሙን ነታ ሃገር ክምርሓ ጸኒሑ።

እንተኾነ ኣንጻር ኣማንኤል መሪኖ ተቃውሞታት ስለዝበዝሐ፡ ብገዛእ ፍቃዱ ካብ ስልጣን ወሪዱ።

ወዲ 57 ፕረዚደንት ፔሩ ነበር ቪዝካራ ኣብ ፔሩ ብዘካይዶ ዝነበረ ለውጢ ካብ ብዙሓት ደገፍ ከጥሪ ክኢሉ እዩ።

እቶም ተቃውሞ ዘካይዱ ዝነበሩ መንእሰያት ግን እቲ ባይቶ ነቲ ፕረዚደንት ባይቶኣዊ መፈንቅለ መንግስቲ ከምዘካየደሉ እዮም ዝሕብሩ።

ብቀዳም ኣብ ሊማ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር፡ ኣብ ዝተገበረ ሰፊሕ ሰለማዊ ሰልፊ ኣብ ሞንጎ ፖሊስን ሰልፈኛታትን ብዝተወለዐ ዕግርግር ክልተ መንእሰያት ክቅተሉ ክኢሎም።

ምስቲ ኣብታ ሃገር ዝካየድ ዘሎ ቅልጡፍ ፖለቲካዊ ለውጥታት ነቲ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ተዳኺሙ ዘሎ ቁጠባ እታ ሃገር ባይታ ዘቢጡ ናብ ዝኸፈአ ሓደጋ ከይሸሞ ስግኣት ኣሎ።

ሃገረ ፔሩ ሓንቲ ካብተን ኣቐዲመን ምሉእ ዕጽዋ ዝኣወጃ ሃገራት ኮይና ቁጽሪ መልከፍቲ ግን ገና ብናህሪ እዩ ዝቕጽል ዘሎ።

ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ 935,000 ሰባት በቲ ቫይረስ ክልከፉ እንከለዉ ካብዚኦም እቶም ልዕሊ 35,000 ከምዝሞቱ ጸብጻብ ጆንስ ሆፐኪንስ ዩኒቨርሲቲ ይሕብር።

ዝቕጽል እንታይ እዩ?

ሳጋስቲ፡ ቀንዲ ዕማሙ፡ እቲ ኣብ ሚያዝያ 2021 ክካየድ ተወጢኑ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ከምቲ ዝተወጠነሉ ክካየድ ምርግጋጽ ምዃኑ ተዛሪቡ።

ኣንጻር ብልሽውና ዝሰርሕ ሓቋፊ ዝኾነ ካቢነ ከቕውም ምዃኑ'ውን ኣብቲ ናይ ፈለማ ቃለ መሕትቱ ገሊጹ።

ኣብቲ ዝነበረ ሰልፍታት ተቓውሞ ምስ ፖሊስ ብዝነበረ ጎንጺ፡ ቆሲሎም ኣብ ሆስፒታል ንዝርከቡ ክበጽሖም እንከሎ፡ ነቶም ዝተቐትሉ ክልተ ተማሃሮ'ውን ዘለዎ ኣኽብሮት ገሊጹ።

"ሎሚ መዓልቲ ሓጎስ ኣይኮነን ምኽንያቱ ሞት ክልተ መንእሰያት ርኢና ኣሎና . . . ክንመልሶም ኣይንኽእልን፡ ግና እዚ ከይድገም ባይቶን ፈጻሚ ኣካልን ስጉምቲ ክወስድ ይግባእ" ኢሉ።