እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብራዚል፡ ንጓሉ መሲሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጥ ፈቲኑ ዝነበረ እሱር ሞይቱ ተረኺቡ
እቲ ሲልቫ ዝበሃል ነጋዳይ ሓሽሽ ዝነበረ ብራዚላዊ እሱር፡ ቅድሚ ሰለስተ መዓልታት እዩ ንጓል 19 ዓመት ጓሉ መሲሉ ካብ ቤት ማእሰርቲ ከምልጥ ፈቲኑ ነይሩ።
ሲልቫ፡ ብሰሉስ ኣብ ክፍሉ ሞይቱ ዝተረኸበ ኮይኑ፡ ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ንገዛእ ርእሱ ሓኒቑ ከምዝሞተ ገሊጾም።
ሲልቫ ብኸመይ እዩ ከምልጥ ፈቲኑ ነይሩ?
ንጓሉ ዘምስሎ መሸፈኒ ገጽ (ማስኬራ)፣ ሰብ ሰርሖ ጸጉሪን መትሓዚ ጡብን ብምግባር እዩ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ ፈቲኑ ነይሩ።
እቲ ወዲ 42 ዓመት እሱር፡ ተታሒዙ ነቲ ተኸዲንዎ ዝነበረ ኣልባሳት ከውጸኦ እንከሎ ዘርኢ ቪድዮ ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ፈንዮም እዮም።
ጓሉ፡ ኣቦኣ ከምልጥ ድጋፍ ብምግባር ክትክሰስ ከምእትኽእል እውን ገሊጾም።
ሓለፍቲ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ ከምዝበልዎ፡ እታ ጓል 19 ዓመት ንኣቦኣ ክትርእዮ እያ ናብቲ ኣብ ከተማ ሪዮ ዲ ጀነሮ ዝርከብ ባንጉ 3 ዝበሃል ቤት ማእሰርቲ ዝኸደት።
ኣቦኣ፡ ማእሰርቲ 73 ዓመትን 10 ወርሕን ዝተፈረዶ እሱር እዩ።
እቲ እሱር፤ ንጓሉ መሲሉ ካብቲ ቤት ማእሰርቲ ክወጽእ እሞ፡ ንጓሉ ድማ ኣብኡ ገዲፍዋ ክኸይድ እዩ ሓሲቡ ነይሩ ተባሂሉ።
ሓለውቲ ግን ኣይተታለልሉን፤ ምስሓዝዎ ዝሰኣልዎ ቪድዮ ድማ ናብ መራኸብቲ ብዙሓን ሰዲዶምዎ።
እሱራት፡ ክሓትዎም ንዝመጹ ኣዝማዶም ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፎም ክወጹ ንፈለማ እዋን ኣይኮነን።
ዝሓለፈ ዓመት፤ ሓደ ናይ ፔሩ እሱር፡ ክበጽሖ ንዝመጸ ማንታ ሓዉ ሰሚሙ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ገዲፍዎ ወጺኡ እዩ።
ናይቲ ብራዚላዊ እሱር ጓሉን፡ ክበጽሕዎ መጺኦም ዝነበሩ ካልኦት ሸውዓተ ሰባትን ብፖሊስ ይሕተቱ ኣለዉ።
እቶም ንጓሉ ክመስል ዝተጠቕመሎም ኣልባሳት፡ ክበጽሕዎ ዝመጹ ሰባት እዮም ኣእትዮምሉ ዝብል እምነት እዩ ዘለዎም ሰብ መዚ ናይቲ ቤት ማእሰርቲ።
እቲ እሱር ካብ ቤት ማእሰርቲ ንምምላጥ እንትፍትን እዚ ንፈለምኡ ኣይኮነን።
ኣብ 2013 ምስ ካልኦት 30 እሱራት ኮይኑ ካብ ቤት ማእሰርቲ ብመትረብ ረሳሕ ፈሳሲ ኣቢሉ ኣምሊጡ ነይሩ። እንተኾነ፡ ጸኒሑ ክተሓዝ ክኢሉ።
ኣብ ቀጻሊ፡ ፈተነ ምምላጥ መታን ከይገብር ናብ ኣዝዩ ጽኑዕ ሓለዋ ዝግበረሉ ቤት ማእሰርቲ ከምዝውሰድ ሰብ መዚ ኣፍሊጦም ምንባሮም ይዝከር።