እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ትግራይ: ክልተ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ሞይቶም
ኣብ መቐለ: ኣብ ማእከል መፅንሕን መሐከምን ኮሮናቫይረስ: ኣብ ክፍሊ ፅኑዕ ክትትል ሕክምና ዝነበሩ ክልተ ኣቦታት ትማሊ ከምዝዓረፉ: ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ትግራይ ሎሚመዓልቲ ገሊፁ።
ዛጊድ ድማ: ኣብ ትግራይ 29 ሰባት ብሰንኪ ኮሮናቫይረስ ከምዝሞቱ ካብቲ ቢሮ ዝተረኸበ ሓበሬታ የረድእ።
ኣብቲ ዝሓለፈ 24 ሰዓታት፡ 867 መርመራታት ዝተገበረ ኾይኑ፡ 60 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም።
ብድምር፡ ክሳብ ሕዚ ኣብ ትግራይ 5,493 ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም እዩ።
ካብቶም እቲ ቫይረስ ዝተረኸቦም: እቶም 4,353 ሰባት ካብቲ ቫይረስ ሓውዮም ነናብ ቤቶም ተፋንዮም እዮም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት እንታይ ይመስል?
ኣብ ኢትዮጵያ ዛጊድ ልዕሊ 68 ሽሕ ሰባት ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎም፡ ልዕሊ 1000 ድማ በቲ ሕማም ሞይቶም።
ብቀዳም ዝወጸ መግለጺ መንግስቲ ኢትዮጵያ ከምዘርእዮ፡ ኣብ’ቲ ዕለት ጥራይ 616 ሰባት በቲ ሕማም ከምዝተትሓዙ ብምርመራ ተረጋጊጹ እዩ፤ ተወሰኽቲ 17 ሰባት ድማ ሞይቶም።
294 ሰባት ድማ ብጽኑዕ ሓሚሞም ኣለዉ።
ብደረጃ ዓለም ኸ?
ሓበሬታ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ከምዘርእዮ፡ ኣብ ዓለምና ብዝሒ ብኮሮናቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ልዕሊ 30.7 ሚልዮን ኾይኑ’ሎ።
ልዑል ብዝሒ መልከፍትን ሞትን ዝተርኣየለን ሰለስተ ሃገራት ዓለም ከኣ፡ ኣመሪካ፣ ህንድን ብራዚልን እየን።
ብብዝሒ መልከፍቲ፡ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብ ሻምናይ ደረጃ ተሰሪዓ’ላ፤ ልዕሊ 659 ሽሕ መልከፍትታት ዘጋጠማ ኾይኑ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝለዓለ እዩ።