እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መምርሒ ርእሰ-ውሸባ ዝጥሕሱ ክሳብ 10,000 ፓውንድ ክቕጽዑ’ዮም
Published
ኣብ እንግሊዝ፡ መምርሒ ርእሰ ውሸባ ዝጥሕሱ ሰባት ክሳብ 10,000 ፓውንድ ብሪጣንያ ክቕጽዑ ምዃኖም መንግስቲ ኣፍሊጡ’ሎ።
እቲ ሓድሽ ዝወጸ ሕጊ፡ ሓደ ሰብ እንተደኣ ኮሮናቫይረስ ተረኺብዎ፣ ወይ ከኣ ምስ ዝተረኸቦ ሰብ እንተደኣ ምትንኻፍ ነይርዎ፡ ንርእሱ ክውሽብ ግድን ከምዝኾነ ይድንግግ።
ትሑት ኣታዊ ንዘለዎም እሞ ንርእሶም ክውሽቡ ንዝግደዱ፡ ሓንሳብ 500 ፓውንድ ክወሃቦም እዩ።
ርእሶም ክውሽቡ ንዝተኣዘዙ ሰባት “ናብ ስራሕ ክትመጹ ኣለኩም” እናበሉ ዘገድዱ ኣስራሕቲ ድማ፡ ክቕጽዑ እዮም።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ወጺኡ ዘሎ፡ ቁጽሪ መልከፍትታት ኮሮናቫይረስ ክዓርግ ስለዝተርኣየ እዩ።
መቕጻዕቲ፡ ፈለማ ብ 1,000 ፓውንድ ይጅምር እሞ፡ ብተደጋጋሚ ሕጊ ዝጥሕሱ ሰባት፡ ክሳብ 10,000 ፓውንድ ክቕጽዑ እዮም።
ዛጊድ፡ ርእሰ-ውሸባ ምግባር ማዕዳ እምበር፡ ብሕጊ ግድን ኣይነበረን።
ነዚ ኣብ እንግሊዝ ዝትግበር ሓድሽ ሕጊ ክገልጽ እንከሎ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን፡ ነቲ ቫይረስ ምቅላስ ዝከኣል ኩሉ ሰብ ሕጊ እንተኽቢሩ ጥራይ ከምዝኾነ ገሊጹ።