ኮቪድ-19፡ ሕጊ ውሸባ ዝጠሓሰት ጓል ኣንስተይቲ ሽዱሽተ ወርሒ ክእትሰር ተፈሪድዋ

Published

ኣብ ኣውስትራልያ ሕግታት ውሸባ ኮሮናቫይረስ ዝጠሓሰት ጓል ኣንስተይቲ ንሽዱሽተ ወርሒ ክትእሰር ተፈሪድዋ።

ጓል 28 ዓመት ኣሸር ፋዬ ቫንደር ሳንደን፡ ኣብታ ኣብ ኣውስትራልያ ብከቢድ ለበዳ ኮቪድ-19 ተጠቒዓ ዘላ ቪክቶርያ ንሓደ ወርሒ ጸኒሓ።

ካብዚ ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ናብ እትርከብ ከተማ ፐርዝ [መንበሪ ገዝኣ] ንክትኸይድ ፍቓድ ተዋሂቡዋ፤ ብናይ ባዕላ ወጻኢ'ውን ን14 መዓልታት ኣብ ሆቴል ክትውሸብ ተነጊሩዋ።

ይኹን'ምበር ኣብታ ከተማ ምስ በጽሐት ተሓቢኣ መጻምዳ ናብ ዝርከበሉ ገዛ ብመኪና ከም ዝኸደትን ኣብቲ ቦታ ኣብ ቀይዲ ከም ዝኣተወትን ተገሊጹ።

ኣብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ሕግታት ውሸባ ክጥሕሱ ዝተረኸቡ ሰባት እንተበዝሐ ክሳብ 12 ወርሒ ዝበጽሕ ማእሰርቲ ወይ'ውን 50 ሽሕ ዶላር መቕጻዕቲ ከም ዝብየነሎም ይግለጽ።

ጠበቓ ቫንደር ሳንደን ጆን ሃሞንድ፡ ኣብ ቪክቶሪያ ንእትርከብ ሕምምቲ ሓፍታ ክትኣሊ ናብታ ግዝኣት ከይዳ'ኳ እንተጸንሐት ስለ ዘይኽኣለትን ግን ተመሊሳ ኢሉ።

ኣብቲ ናይ መጻምዳ መንበሪ ድማ ንነብሳ ወሺባ ከም ዝጸንሐትን ምስ ካልእ ሰብ ከም ዘይተራኸበትን ይዛረብ።

እንተኾነ፡ ቫንር ሳንደን፡ "ኣታላሊትን ዘይሓቀኛን" ብዝብል ተኸሲሳ። እቲ ዝወሰደቶ ስጉምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ዝተፈጸመ "ከቢድ መጥቃዕቲ" እዩ ብምባል ንሽዱሽተ ወርሒ ክትእሰር ተፈሪዳ።

ኣብ ኣውስትራልያ መልከፍቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ክውስኽ ምስተርኣየ ግዝኣታት እታ ሃገር ካብ ዶብ ናብ ዶብ ኣብ ዝግበር ምንቅስቓስ ተረርቲ ሕግታት ክትግብራ ጀሚረን።

ካብዚኦም፥

  • ፍቓድ ከይተዋህበካ ናብ ምዕራብ ኣውስትራልያ ክትኣቱ ፍቑድ ኣይኮነን [ቫንደር ሳንደን ፍቓድ ነይሩዋ'ዩ]
  • ደቡብ ኣውስትራልያ ካብ ኲንስላንድ፣ ምዕራብ ኣውስትራልያ፣ ግዝኣታት ሰሜንን ታስማኒያን ወጻኢ ዝኾኑ ሰባት ኩሎም ክውሸቡ ተገድድ።
  • ኒው ሳውዝ ዌልስ ድማ ካብ ቪክቶሪያ ዝመጽኡ ኩሎም ን14 መዓልታት ኣብ ሆቴል ክውሸቡ ትጠልብ
  • "ማእከል እቲ ለበዳ" ኣብ ዝኾና ከባቢታት በጺሖም ዝተመለሱ ነበርቲ ኲንስላንድ ንኽልተ ሰሙን ክውሸቡ ኣለዎም

እዞም ተረርቲ ሕግታት ብዙሓት ካብ ቦታ ናብ ቦታ ንከይንቀሳቐሱ ምኽንያት ክኾኑ ከለው፡ ገሊኦም ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ መቕርቦም ክርከቡ'ውን ከም ዝጽገሙ ይዛረቡ።

ክሳብ ሕጂ ብውሑድ ሕግታት ውሸባ ኮሮናቫይረስ ዝጠሓሱ ሰለስተ ሰባት ተኣሲሮም'ዮም።

ኣብ ብሚያዝያ ጆናታን ዴቪድ ዝተባህለ ተወሺብሉ ካብ ዝነበረ ሆቴል ወጺኡ ስድርኡ ንክሓትት ብምኻዱ ንሽዱሽተ ወርሕን ክልተ ሰሙንን ክእሰር ተፈሪዱዎ።