ኣብ ኤርትራ ቁጽሪ ብኮቪድ-19 ዝተለኽፉ ሰባት 364 በጺሑ

Published

ኣብ ኤርትራ 3 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮና ቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ጥዕና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ገሊጹ።

እቶም ሰባት ኣብ ዞባ ደቡብ ኣብ ዝርከቡ መወሸቢ ማእከላት ዑበልን ሰንዓፈን ተታሒዞም ዝጸንሑ'ዮም። ኣብዚ ቀረባ መዓልታት ካብ ኢትዮጵያ ዝኣተዉ ምዃኖም'ውን እቲ ሓበሬታ ጠቒሱ።

ሓደ ክእለ ዝጸንሐ ድማ ሓውዩ ካብ ሆስፒታል ተፋንዮ ኣሎ። ኣብታ ሃገር ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ዝተለኽፉ 364 በጺሑ'ሎ።

ካብኦም እቶም 305 ዝሓወዮ ክኾኑ እንከለዉ፡ እቶም ዝተረፉ ድማ ኣብ ዝተፈላለዩ ሆስፒታላት ይእለዩ ኣለዉ።

ኣብ ኤርትራ ዛጊት በቲ ሕማም ዝሞተ ሰብ የለን።

ኤርትራ ካብ 2 ሚያዝያ ጀሚራ ኣብ ዕጽዋ ትርከብ። እቲ ንኣዋርሕ ዝኸይድ ዘሎ ዕጽዋን እገዳታትን ኣብ መነባብሮ ህዝቢ ከቢድ ጸገም ፈጢሩ ምህላዉ ይግለጽ።

መበል 11 ክፍልን፡ ኮሌጃትን'ኳ እንተ ተኸፍታ፡ ብዛዕባ ናይዚ ሕጂ ክጅምር ዝግብኦ ዓመተ ትምህርቲ ግን ዝተዋህበ መግለጺ የለን።

በረራታትን ህዝባዊ መጓዓዝያን ተኣጊዶም፡ ምንቅስቓስ ህዝቢ ተደሪቱ ይርከብ። ይኹን እምበር ልምዓታዊ መደባትን ገለ ክፋል ቁጠባን ይንቀሳቐስ ከምዘሎ ይፍለጥ።

እቶም እቲ ቫይረስ ከምዝተረኽቦም ዝግለጹ ዘለዉ ሰባት፡ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት "ብፍኑው" ዝኣተዉ ምዃኖም'ዩ ብቐጻሊ ዝግለጽ ዘሎ።

ብፍኑው፡ ብሰብመዚ ከይተታሕዙ ናብ ህዝቢ ዝተሓወሱ ምንባሮም ንዘይምንባሮምን ግን ዝተፈልጠ ሓበሬታ የለን።