እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮኾብ ተጻዋታይ ነበር ሮናልዲኖ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ናጻ ተባሂሉ
ብራዚላዊ ኮኾብ ተጻዋታይ ዓለም ዝነበረ ሮናልዲኖ፡ ካብ ናይ ገዛ ማሕዩር ናጻ ከም ዝተባህለ ተሓቢሩ።
ንሱ፡ ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ ናብ ፓራጓይ ኢታኻ ተባሂሉ'ዩ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተታሒዙ ነይሩ።
እዚ ብሉጽ ተጻዋታይ ዝነበረ ምስ ሓው ንሓደ ወርሒ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ፡ ንኣርባዕተ ወርሒ ድማ ኣብ ክቡር ሆተል ተኣሮም ጸኒሖም።
ክልቲኦም ካብቲ ተኣሲሮምሉ ዝነበሩ ሆተል ከም ዝተፋነውን ከባቢ 200,000 ዶላር ክኸፍሉ ከም ዝተገደዱን ተፈሊጡ።
ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ሮናልዲኖን ሓውን ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝሉም ናብ ፓራጓይ ኣቲኹም ተባሂሎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣቲዮም ምንባሮም ይዝከር።
ኣኽበቲ ሕጊ ፓራጓይ፡ ሮናልዲኖ ኣብ ምዕዳግ ስኑዕ ፓስፖርት ኢድ ከም ዘይብሉ ክገልጹ እንከው፡ እቲ ሓው ግን ሓበሬታ ከም ዝነበሮ ገሊጾም። እንተኾነ፡ ክልቲኦም ነቲ ክሲ ይነጽግዎ።
ወዲ 40 ዓመት ሮናልዲኖ መጽሓፍ ንምልላይን ብዛዕባ ኣላዪ ዘይብሎም ቈልዑ ክጉስጉስን እዩ ናብ ፓራጓይ ገይሹ።
ኣብ ሓምለ 2019፡ ግብሪ ኣይከፈልካን ከምኡ’ውን ኣብ ሕዛእቲ ህንጻ ሰሪሕካ ተባሂሉ ናይ ብራዚልን ስጳኛን ፓስፖርቱ ከም ዝተሃገረ ይፍለጥ።
ኣብ ክለብ ባርሴሎና ዘደንቕ ብቕዓትን ዓበይቲ ዓወታትን ዝሓፈሰን ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝተሰመየን ሮናልዲኖ፡ ኣብ 2002 ምስ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ብራዚል ኮይኑ ዋንጫ ዓለም ዓቲሩ ነይሩ።
ናይ ሮናልዲኖ ሃብቲ ኣስታት 80-100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝበጽሕ ይግመት። ኣብ ኢንስተግራም፡ ንሓንቲ ነገር ክወዓውዕ (ከላሊ) ክሳብ 150 ሽሕ ፓውንድ የኽፍል።