እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሮናልዲኖ ኣብ ናይ ገዛ ማሕዩር ተሰጋጊሩ
‘ስኑዕ ፓስፖርት ሒዝካ’ ተባሂሉ ኣብ ወርሒ መጋቢት ብፖሊስ ፓራጓይ ኣብ ቀይዲ ዝኣተወ ሮናልዲኖ፡ ካብ ቤት-ማእሰርቲ ተፈቲሑ፡ ኣብ ናይ ገዛ መሕዩር ከምዝተሰጋገረ ተሓቢሩ።
እዚ ብሉጽ ተጻዋታይ ዝነበረ፡ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ምስ ሓው ከምዝነበረን፡ ኣብ ዝሓለፈ ግዜ ነፍስወከፎም 800 ሽሕ ዶላር ኣትሒዞም ብዋሕስ ክወጽኡ ዝፈተንዎ ተነጺጉ እዩ።
ኣብዚ እዋን ድማ ፍርዶም እናተጸበዩ፡ ኣብ ኣስንሽዮን ኣብ ዝተባህለ ሆተል ክጸንሑ እዮም።
ክልቲኦም ኣሕዋት፡ ሮናልዶን ሮበርቶን ነቲ ዝቐረበሎም ክሲ ከምዝነጸግዎን ዝኾነ ጌጋ ከምዘይገበሩን ሓቢሮም እዮም።
ጠበቓ እዞም ክልተ ኣሕዋት፡ ነቲ ማእሰርቲ “ምልካውን ዘይሕጋውን” ክብል ገሊጽዎ።
ወዲ 40 ዓመት ሮናልዲኖ መጽሓፍ ንምልላይን ብዛዕባ ኣላዪ ዘይብሎም ቈልዑ ክጉስጉስን እዩ ናብ ፓራጓይ ገይሹ።
ኣብ ሓምለ 2019፡ ግብሪ ኣይከፈልካን ከምኡ’ውን ኣብ ሕዛእቲ ህንጻ ሰሪሕካ ተባሂሉ ናይ ብራዚልን ስጳኛን ፓስፖርቱ ከምዝተሃገረ ይፍለጥ።
ኣብ ክለብ ባርሳ ዘደንቕ ብቕዓትን ዓበይቲ ዓወታትን ዝሓፈሰን ክልተ ግዜ ብሉጽ ተጻዋታይ ዓለም ዝተሰመየን ሮናልዲኖ፡ ኣብ 2002 ምስ ካልኦት ብሉጻት ተጻወቲ ብራዚል ኮይኑ ዋንጫ ዓለም ዓቲሩ ነይሩ።
ናይ ሮናልዲኖ ሃብቲ ኣስታት 80-100 ሚልዮን ፓውንድ ከምዝበጽሕ ይግመት። ኣብ ኢንስተግራም፡ ንሓንቲ ነገር ክወዓውዕ (ከላሊ) ክሳብ 150 ሽሕ ፓውንድ የኽፍል።