እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ብውሕዱ 235 ስደተኛታት ካብ ፈረንሳ ንዓዲ-እንግሊዝ ሰጊሮም
ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ፈረንሳ ናብ ንዓዲ-እንግሊዝ ክኣተው ዝፈተኑ ኣስታት 235 ስደተኛታት ከምዝተታሕዙ ሚኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት ብሪጣንያ ሓቢሩ።
እቶም ሕጻናትን ነፍስ-ጾራትን ዝርከብዎም ስደተኛታት ኣብ ከንት ዝተባህለ ገምገም ባሕሪ ከምዝተታሕዙን ተገሊጹ። ሓለዋ ገማግም ባሕሪ ብሪጣንያ ከምዝሓበሮ፡ ንባሕሪ 'ኢንግሊሽ ቻነል' ክሰግራ ዝተረኽባ 17 ጀላቡ ከምዝዓገተ ኣፍሊጡ።
ኣብዚ ዓመት ጥራይ 3,948 ስደተኛታት ዝሓዛ 300 ጀላቡ ንኢንግሊሽ ቻነል ከምዝሰገሩ ጸብጻባት መንግስቲ ብሪጣንያ ይሕብሩ። እቶም ናብ ዓዲ-እንግሊዝ ክኣትው ዝተታሕዙ ስደተኛታት ካበነይቲ ሃገረ ከምዝኾኑ ግን ዝተዋህበ ሓበሬታ የለን።
ሓንቲ ካብተን ጀላቡ 26 ሰባት ሒዛ ከምዝነበረትን፡ ካልኦት 15 ሰደተኛታት ኣብ ገማግም ባሕሪ ዱንገነስ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ብሪጣንያ ከምዝታሕዙ ተገሊጹ።
ኣብ መንጎ እቶም ሰደተኛታት፡ ስድራ-ቤታትን ነፍሰ-ጾራትን ከምኡ'ውን ካልኦት ደቂ ተባዕትዮን ከምዝነበሩ ናይ ዓይኒ መሰኻኽር ንቢቢሲ ሓቢሮም።
ብኻልእ ወገን፡ ሰብመዚ ፈረንሳ፡ ኣብ ሓያሎ ጀላቡ ተሰቒሎም ንዓባይ ብሪጣንያ ዝኸዱ ዝነበሩ ስደተኛታት ከምዘድሐኑ ገሊጾም። ነቶም ስደተኛታት ንምድሓን፡ ሓንቲ ሄሊኮብፕተር ከምዝተጠቕሙን፡ ኣስታት 23 ሰባት ኣድሒኖም ንፈረንሳ ከምዝመለስዎምን ሓቢሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ፖሊስ ፈረንሳ፡ ኣብ ሰለስተ ጀላቡ ዝነበሩ 58 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ከምዘድሓኑን፡ ኣብታ ሓንቲ ጃልባ ሽዱሽተ ህጻናትን ክልተ ኣካላዊ ስንክልና ዝነበሮምን ዝርከብዎም 20 ሰባት ከምዝነበሩ ገሊጾም ነይሮም።
ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ኣብ ሓደ መዓልቲ፡202 ስደተኛታት ኣብ 20 ጀላቡ ተጻዒኖም ናብ ዓባይ ብርጣንያ ከምዝኣተዉ'ውን ፖሊስ ዓዲ እንግሊዝ ሓቢሩ ነይሩ።
ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት እታ ሃገር፡ ፕሪቲ ፓተል፡ እዚ ዝካየድ ዘሎ ምስጋር ዘይሕጋውያን ሰባት ቅቡልን ኣድላይን ከምዘይኮነ ድሕሪ ምሕባር፡ እቶም ሰባት ኣብ ፈረንሳ ዕቑባ ሓቲቶም ክነብሩ ውሕስነት ከምዘለዎም ኣመልኪታ።
እቲ ኩነታት ብኸምዚ ክቕጽል ከምዘይክእልን'ውን ሓቢራ። ንሳ፡ መንግስቲ ነተን ጀላቡ ሒዝካ ናብ ዝመጽኦ ምምላስ ዝብል ዝርከቦ ተረረርቲ ሕግታት ኣብ ተግባር ንምውዓል ምስ መንግስቲ ፈረንሳ ይሰርሕ ምህላው'ውን ጠቒሳ።