እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ እንታይ ኢላ?
ዳይረክተር ዓለምለኻውያን ትካላት ኣብ ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ኤርትራ ወይዘሮ ኤልሳ ሃይለ፡ ኣብቲ ብምክልኻል ዕጸ ፋርስን ገበንን ሕቡራት ሃገራት ዞባ ምብራቕ ኣፍሪቃ ብምኽንያት ዓለማዊ መዓልቲ ኣንጻር ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ብ'ኦንላይን ዝተገብረ ኣኼባ ተሳቲፋ።
ወይዘሮ ኤልሳ ሃይለ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ዘሎ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሓደ ካብ በዳህቲ ጉዳያት እዚ ዞባ ምዃኑ ብምግላጽ፡ መንእሰያት ግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ብምዃን ኣደዳ ዓመጽ፡ ጭውያ፡ ዝምታ፡ መግረፍትን ቅትለትን ይኾኑ ምህላዎም ገሊጻ።
ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ሓደ ካብ ማሕበረ ቁጠባዊ ሽግራት እዚ ዞባ ምዃኑ ዝገለጸት ወይዘሮ ኤልሳ፡ ልዕልና ሕጊ ብምብሕጓግ ስግኣት ዞባዊ ርግኣት ምዃኑ እውን ሓቢራ።
ይኹን እምበር እታ ብዘይ ሃገራዊ ቅዋም እትመሓደር ዘላ ኤረትራ ንልዕልና ሕጊ ከምዘይትግዛእ እዮም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ዝወቕሱ።
እቶም ኣብ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት ዝተዋፈሩ ውልቀ ሰባትን ጉጅለታትን ኣብ ዝተወሃሃደ ተግባራት ገበንን ግብረሽበራን ከምዝተዋፈሩ ዝሓበረት ወይዘሮ ኤልሳ፡ ፖሎቲካዊ ተልእኾ ዘለዎም ሓይልታት፡ ዓያዩ ሓይሊ መንእሰይ ኤርትራ መጽዮም ነቲ ዋሕዲ ህዝቢ ዘጋጥሞ ዘሎ ሸነኽ ዓለም ንምምላእ ብመደብ ከምዝገብሩዎ ሓቢራ።
መንግስቲ ኤርትራ ካብ ነዊሕ እዋን ኣትሒዙ ኣመሪካ እትርከቦም ሓይልታት ብመደብ መንእሰያት ኤርትራ ክዞቁ ክሰርሑ ከምዝጸንሑ ክኸስስ ጸኒሑ እዩ።
ወይዘሮ ኤልሳ፡ ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኣተሓሕዛ ኤርትራውያን ንዝኽተሎ ኣገባብ ኣመዘጋግባ ብምጥቃስ፡ ኤርትራ፡ እቲ ትካል ንኤርትራውያን ዝገብሮ ሓለፋ ዳግማይ ግምት ክገብረሉን ኣገባቡ ከተዓራርን ብተደጋገሚ ከምዝጸወዐት ገሊጻ። እንተኾነ እቲ ሓለፋ ዝበለቶ ነገር ግን እንታይ ምዃኑ ኣይነጸረቶን።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርተ ዓመታትኀ ንዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባት መደባት ሓንጺጹ ክቃለሶ ከምዝጸንሐ ብምግላጽ፤ ኤርትራ ንዜጋታት ዕድላት ማሕበራዊ ቁጠባዊ ንምፍጣር ከም እትነጥፍ፤ ብንጡፍ ተሳትፎ መላእ ሕብረተሰብን ኣካላት መንግስትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ሰባት ንምቁጽጻር ከም እትጽዕት፤ ንግዳያት ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ሓገዛት ብምብርካትን ኣብ ዞባውን ዓለማዉን ቃልሲ ኣንጻር ዘይሕጋውያን ኣሰጋገርቲ ደቂ ሰባት ብምጽንባርን ዝከኣላ ትገብር ከምዘላን ወይዘሮ ኤልሳ ገሊጻ።
ኤርትራ ኣብ ከም ሊብያ ዝኣመሰላ ተሃዋሲ ኩነታት ዝርከቡ ስደተኛታት ብወለንተኦም ናብ ሃገሮም ንምምላስ ዲፕሎማስያዊ ተልእኾታት ክትወስድ ምጽንሓ ወይዘሮ ኤልሳ ንተጋባእቲ ሓቢራ። እንተኾነ እቶም ኣብ ሊብያ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ዝርከቡ ዘለው ኤርትራውያን ስደተኛታት መንግስቲ ኤርትራ ዝኾነ ይኹን ቆላሕታ ከምዘይገብረሎም፡ በንጻሩ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት " መን ኪዱ ኢሉዎም?" ከምዝበለ እዮም ዝዛረቡ።
ወይዘሮ ኤልሳ፡ ኣብቲ ቅድሚ ክልተ ዓመታት ኣብ ወርሒ መስከረም ኣብ ሞንጎ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም፡ ክልቲኦም መራሕቲ ሃገራት ንግብረ ሽበራ፡ ዘይሕጋዊ ምስግጋር ደቂ ሰባትን ዘይሕጋዊ ምስግጋር ዕጸ ፋርስን ክቃለሱ ከምዝተሰማምዑ ሓቢራ።
እንተኾነ ዕርቀ ሰላም ኢትዮ ኤርትራ ኣብ ዝተነግረሉ ፈለማ ኣዋርሕ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኤርትራውያን መንእሰያትን ስድራታትን ናብ መዓስከራት ስደተኛታት ኢትዯጵያ ከምዝሰገሩ ላዕለዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ምግላጹ ይዝከር።