እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኤርትራ 10 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ተለኺፎም
ኣብ ኤርትራ 10 ተወሰኽቲ ሰባት ብኮሮናቫይረስ ከም ዝተለኽፉ ሚኒስትሪ ዜና ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።
ንሳቶም፡ ኣብቲ ኣብ ዞባ ጋሽ ባርካ ዝርከብ መወሸቢ ማእከል ዓዲባራ: ተወሺቦም ዝጸንሑ’ዮም። ሎሚ 23 ሓምለ መርመራ ከም ዝተገብረሎም’ውን ተሓቢሩ።
“እዞም መልከፍቶም ዝተረጋገጸ ዜጋታት፡ ኣቐዲሞም ብፍኑው ካብ ሱዳን ዝተመልሱ’ዮም” ክብል እቲ መግለጺ ጠቒሱ።
ይኹን እምበር፡ ዝኣተውሉ ዕለት ይኹን፡ ኣብቲ መወሸቢ ማእከል ዝጸንሑሉ ግዜ ብንጹር ኣይገለጸን። ቅድሚ ሕጂ'ውን 17 ካብቶም ኣብቲ ማእከል ተወሺቦም ዝነበሩ ሰባት እቲ ቫይረስ ተረኺብዎም ምንባሩ ይዝከር።
ካልኦት 34 ኣብቲ ዞባ ኣብ ዝርከባ ሆስፒታላት ክእለዩ ዝጸንሑ ሕሙማት ናይቲ ቫይረስ ድማ ምሉእ ብምሉእ ሓውዮም ከም ዝተፋነዉ እቲ ሚኒስትሪ ሓቢሩ።
ክሳብ ሎሚ ቁጽሪ ኣብታ ሃገር ዝተለኽፉ ሰባት 261 በጺሑ’ሎ። ካብዚኣቶም፡ ብድምር 189 ሓውዮም ዝተፋነዉ’ዮም።
እቶም ዝተረፉ 72 ድማ ኣብ ሆስፒታላት ይእለዩ ከምዘለዉ ተፈሊጡ።
ኣብ ኤርትራ ክሳብ ሕጂ በቲ ቫይረስ ዝሞተ ከምዘየለ’ዩ ዝፍለጥ። ሓያሎ ኣብ ወጻኢ ዝነብሩ ኤርትራውያን ግን ግዳይ ነይቲ ቀታሊ ለበዳ ኮይኖም ኣለዉ።
ኤርትራ እቲ ካብ 2 ማዝያ ጀሚራ ዝኣወጀቶ ዕጽዋ፡ በብቑሩብ ይፈኩስ’ኳ እንተሎ፡ ብወግዒ ግን ጸኒዑ ይርከብ።
ብሰንኪ’ቲ ዕጽዋ፡ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት እታ ሃገር ከቢድ ጥምየት ከጋጥም ጀሚሩ ከምዘሎ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።