እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓለምና፡ ተራእዩ ዘይፍለጥ መዓልታዊ መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ተመዝጊቡ
ብደረጃ ዓለም፡ ኣብ 24 ሰዓታት ጥራይ፡ መጠን መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ብኣስታት 260,000 እዩ ወሲኹ።
እዚ፡ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣትሒዙ፡ ኣብ ሓደ መዓልቲ ካብ ዝተመዝገቡ ብዝሒ ሓደሽቲ መልከፍትታት፡ እቲ ዝዓበየ ከምዝኾነ ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ።
ብዝሒ መዓልታዊ ሓደሽቲ መልከፍትታት ካብ ርብዒ ሚልዮን ሓሊፉ ኣይፈልጥን ነይሩ።
ልዑል ወሰኽ መልከፍትታት ዝተርኣየለን ሃገራት ድማ፡ ኣመሪካ፣ ብራዚል፣ ህንዲን ደቡብ ኣፍሪቃን እየን።
ብዝሒ በቲ ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት’ውን ብ 7,360 ክብ ኢሉ ኣሎ። እዚ ድማ፡ ካብ 10 ጉንበት ንደሓር እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ እዩ።
ዛጊድ ብደረጃ ዓለም ብኮሮናቫይረስ ናይ ዝተትሓዙ ሰባት ብዝሒ ብቀዳም ካብ 14 ሚልዮን ሓሊፉ’ሎ።
ናይ ዩንቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ሓበሬታ ከምዘርእዮ፤ ኣብ ዓለም ዛጊድ ዘጋጠመ መጠን ሞት ድማ ልዕሊ 600,000 ኮይኑ’ሎ።
ኣብ ኣመሪካ ዘሎ ኹነታት እንታይ ይመስል?
ኣብ ዝተፈላለየ ግዝኣታት ኣመሪካ፡ መጠን መልከፍቲ ኣዝዩ ይውስኽ ኣሎ።
ብፍላይ ድማ ኣብተን ዕጽዋ ኣብ ምንባርን ሰባት መሸፈኒ ኣፍን ኣፍንጫን ክገብሩ ኣብ ምግዳድን ዕሽሽነት ኣርእየን ዝነበራ ደቡባዊ ግዝኣታት ናይ’ታ ሃገር እዩ ዝያዳ እቲ ወሰኽ ዝረኣይ ዘሎ።
ፍሎሪዳ፣ ቴክሳስን ኣሪዞናን ብፍላይ ልዑል ወሰኽ ዝተርኣየለን እየን።
ኣብ’ዚ እዋን ኣብ ኣመሪካ፡ ማእከል ናይ’ቲ ለበዳ ኮይና ዘላ ፍሎሪዳ እያ።
ኣብ’ታ ግዝኣት፡ ብቀዳም ጥራይ፡ 10,000 ሓደሽቲ መልከፍትታትን 90 ተወሳኺ ሞትን ተመዝጊቡ እዩ።
ኣብ ቀረባ ሰሙናት፡ ኣብ’ታ ግዝኣት ዝርከቡ ሆስፒታላት፡ ናይ ጥቡቕ ክትትል ሕክምና ክፍልታቶም መሊኡ ምህላዉን ንሓደሽቲ ሰባት ክቕበሉ ከምዘይክእሉን ኣጠንቂቖም እዮም።
ካልኦት ሃገራትከ?
ኣብ’ታ ኣተኣላልያ ኮሮናቫይረስ ፖለቲካ ኮይኑ ቀጺሉላ ዘሎ ሃገረ ብራዚል፡ መልከፍትታት ገና ይውስኽ እዩ ዘሎ።
ኣብ ህንዲ’ውን እቲ መልከፍቲ ገና ክውስኽ ምዃኑ እዮም ተመራመርቲ ዝገልጹ ዘለዉ።
ደቡብ ኣፍሪቃ ድማ፡ ኣብ ኣፍሪቃ እታ ዝለዓለ መልከፍቲ ዘለዋ ሃገር ኮይና ትቕጽል ኣላ።
መብዛሕትኡ ነቲ ለበዳ ተቖጻጺረንኦ ዘለዋ ሃገራት ምዕራብ ኣውሪጳ ድማ፡ ዶባተን ክኸፍታ ጀሚረን ኣለዋ።