እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ መረጻ ተዓዊተ እየ ዝበለ ፕረዚደንት ማላዊ፡ ንውሳነ ቤትፍርዲ ይግባይ ከም ዝብል ኣፍሊጡ
Published
ቤት ፍርዲ ማላዊ ንውጽኢት ናይቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብታ ሃገር ዝተኻየደ መረጻ ክስረዝ ድሕሪ ምውሳኑ፡ እቲ ፕረዚደንት ይግባይ ከም ዝብል ኣፍሊጡ።
ነቲ ጉዳይ ናብ 'ቅዋማዊ ቤትፍርዲ' ክወስዶ ምዃኑ፡ ወሃቢ ቃል ፕረዚደንት ፒተር ሙታሪካ ተዛሪቡ።
እቲ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ መረጻ፡ ብዙሕ ሓላፍ ዘላፍ ከም ዝነበሮ ብሰኑይ ዝገለጹ ደያኑ ኣብ ውሽጢ 150 መዓልትታት ሓድሽ መረጻ ክካየድ ኣዚዞም።
ኣብታ ሃገር ስልጣን ሒዙ ዘሎ ሰልፊ ገስጋሲ ደሞክራሲ እውን፡ ደገፍቱ ክሃድኡ ጸዊዑ።
መራሒ ተቓወምቲ፡ ላዛረስ ቻክዌራ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ብውሳነ ቤት ፍርዲ ዝተሓጎሱ ደገፍቱ ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ እቲ ውሳነ ዓወት ዴሞክራሲ ምዃኑ ተዛሪቡ።
ኣብቲ መረጻ ብፕረዚደንተ ሙታሪካ ብሒደት ድምጺ እዩ ተበሊጹ፤ በዚ ድማ እቲ መረጻ ርትዓዊ ከም ዘይነበረ ብምግላጽ ናብ ቤትፍርዲ ከይዱ።
ኣብታ ሃገር ኣብ ወርሒ ግንቦት ዝተኻየደ ፡ ኣካታዒ'ዩ ዝተብሃለሉ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ፒተር ሙታሪካ ምዕዋቱ ይዝከር።